Sunday , May 19 2024

ሆስፒታል ኖርታልያ፡ ብሰንኪ ምውሳኽ ለበዳ ኮሮና፡ ናይ ህጹጽ ኩነታት ጻውዒት ኣመሓላሊፉ

ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና፡ ብዙሓት ኣባላት ሆስፒታል ኖርታልያ፡ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ብምውሳዶምን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣብ መንጎ ኣባላትን ሕሙማትን  ብምብዝሑን፡ እቲ ሆስፒታል፡ ናይ ህጹጽ ኩነታት ጻውዒት ኣዊጁ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ።

ናይ ህጹጽ ኩነታት ጻውዒት ማለት፡ እቲ ሆስፒታል፡ ንህጹጽን ኣገዳስን ኩነታት ጥራይ ኣቶኲሩ፡ ንህጹጽ ዘይኮኑ መጥባሕታት ናብ ቀጻሊ ግዜ ከሰጋግሮም እዩ። ተግባራውነቱ ድማ ካብ ጽባሕ ዓርቢ ዝጅምር ምዃኑ’ቲ ሆስፒታል ሓቢሩ።

እቲ ሆስፒታል፡ ምንጪ ናይቲ ለበዳ ንምፍላጥ እናሰርሐ፡ ቅምሶታት ይእክብ ኣሎ። ሕሙማት ንምብጻሕ ኣብ ዝግበር መስርሕ ድማ ጥንቃቐ ክህሉ ኣዘኻኺሩ።

ኣብቲ ሆስፒታል ዝርከቡ ሰለስተ ሕሙማትን ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፎም ከምዘለዉ ተረጋጊጹ። ብተወሳኺ፡ 15 ኣባላት’ቲ ሆስፒታል፡ ምልክታት ሰዓል ብምርኣዮም ኣብ ገዝኦም ከምዝጸንሑ ድሕሪ ምግባር፡ ስዒቡ፡ 5 ብኮሮና ከምተለኽፉ ተረጋጊጹ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሆስፒታል ኖርታልያ፡ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ብምርካቡ፡ ናይ ህጹጽ ኩነታት ጻውዒት ከመሓላልፍ ተገዲዱ። ተስፋ ይገብር፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን፡ እቲ ዘድሊ ዓቕሚ ኣዋዲድና ክንቅረብ ክብል ኣካያዲ ስራሕ ነቲ ሆስፒታል ተካይድ ኩባንያ፡ ፒተር ግራፍ፡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com