Saturday , May 18 2024

ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ሽስታን ቴነስታን ክጎድል ኣንከሎ ኣብ ሶደርታልያ ግን ይውስኽ።

ብዝሒ ናይቶም ኣብ ስቶክሆልም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ ከባቢታት ሺስታ፡ ቴነስታን ሱንዲቤሪን ቁጽሪ ናይቶም ዝተለኽፉ ሰባት ምስ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ክነጻጸር እንከሎ ሎሚ ከም ዝጎደለ ተፈሊጡ። ኣብ ደቡባዊ ክፋል ስቶክሆሎም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ሶደርታልያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ቁጽሮም ከምዝወሰኸ ተፈሊጡ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ጸብጻባት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ንከባቢታት ሽስታን ቴነስታን ኣብ ቅድሚት ሰሪዕወን ነይሩ። ካብ 10 ሽሕ ሰብ እቶም 37 ኣብ ሽስታ እቶም 47 ድማ ኣብ ቴኒስታ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ምንባሮም እቶም ጸብጻባት ሓቢሮም ነይሮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com