Saturday , May 18 2024

ለንደን ምስ ሆንግኮንግ ዝነበራ ገበነኛታት ናይ ምርኽኻብ ስምምዓት ሰሪዛቶ

መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ሆንግኮንግ ዝነበሮ ገበነኛታት ናይ ምርኽኻብ ስምምዓት ክስርዞ ምዃኑ ሓቢሩ። እዚ ድማ ብሰንኪ ቻይና ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ዘተኣታተወቶ ሓድሽ ጸጥታዊ ሕግታት ምዃኑ እዩ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ዓዲ እንግሊዝ፡ ዶሚኒክ ራብ፡ ንውሳኔ መንግስቲ ሎሚ ናብ ፓርላማ ከውርዶ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

ቻይና ኣብ ልዕሊ ሆንግኮንግ ትገብሮ ዘላ ሓደገኛን ቅሉዕን ዝኾነ ግህሰት መሰል ደቂ ሰባት ካብ ዓይኒ ዝተኸወለ ኣይኮነን ክብል ራብ ንቢቢሲ (BBC) ሓቢሩ።

ኣብ መጀምርያ ወርሒ ሓምለ፡ ኣውስትራልያን ካናዳን ምስ ሆንግኮንግ ዝጸነሐን ገበነኛታት ናይ ምርኽኻብ ስምምዓተን ከምዝሰረዘኦ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com