Saturday , May 18 2024

ሉዊስ ስዋሬዝ ናብ ኣትለቲኮ ማድሪድ ተሰጋጊሩ

ሓድሽ ኣሰልጣኒ ክለብ ባርሴሎና ሮናልድ ኮማን ን ሉዊስ ስዋረዝ ኣብ ኣካል መደቡ ከምዘየለን ክለብ ክደሊ ድሕሪ ምሕባሩ ትማሊ ነታ ን 6 ዓመት ዝተጻወተላ ክለብ ባርሳ ብንብዓት ከምዝተፋነዋ ተገሊጹ። ሉዊስ ስዋረዝ ንክለቡ ኣብ ዝፋነወሉ ዝነበረ ግዜ ኩሉ ዝግባኣኒ ፈጺመ ዝፋኖ ከምዘሎኩ ዩ ዝስምዓኒ ድሕሪ ምባል ገጹ ብብክያት ከምዝተሓጽበ ተገሊጹ። ሉዊስ ሰዋረዝ ኣብ ባርሳ ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ 4 ዋንጫ ላሊጋ፡ 4 ኮፓ ደልረይን 1 ዋንጫ ቻምፒዮንስ ሊግ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ዓወታት ከምዝሓፈሰ ይዝከር። ናብ ጁቬንቱስ ክከይድ ዘይቀንዖ ስዋረዝ ናብታ መቀናቕንታ ዝኮነት ክለብ ኣትለቲኮ ማድሪድ ከም ዝተሰጋገረ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com