Friday , May 17 2024
Liberalernas partiledaren Nyamko Sabuni fotograferad i samband med Liberalernas digitala riksmöte på söndagen. Foto: Henrik Montgomery / TT kod 10060

ሊበራላዊ ሰልፊ ሽወደን፡ ናብ ፓርላማ ዘየእትዎ ነጥቢ ኣዋህሊሉ

ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቢሉ፡ ሊበራላዊ ሰልፊ ሽወደን፡ ኣብ ዝኽተሎም ዝነበረ ፖሊሲ፡ ለውጥታት ከምዘተኣታተወ ይዝከር። ይኹን እምበር፡ እቲ ዝተገብረ ለውጥታት፡ ብህዝቢ ጽቡቕ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ዘረጋግጹ ኣሃዛት ቁጽሪ ድምጺ ህዝቢ ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብዚ ሕጂ እዋን’ቲ ሰልፊ፡ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ጸብጻብ ቁጽሪ ድምጺ ህዝቢ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ 0.5% ብምጉዳሉ፡ ኣብ 2.5% ይርከብ። ሎሚ መዓልቲ፡ ናብ ፓርላማ ሽወደን ንኽኣትዋ ሰልፍታት እንተዝወዳደራ ነይረን፡ ሊበራላዊ ሰልፊ ሽወደን፡ በዚ ኣዋህሊልዎ ዘሎ ነጥቢ፡ ኣብ ፓርላማ ሽወደን ከይኣተወ ምተረፈ ነይሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ብመሰረት ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝተኻየደ ዳህሳስ ድምጺ ህዝቢ፡ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ኣብ ብዝሒ ኣድመጽቲ 1.1% ወሰኽ ብምርኣይ፡ 28.2% ኣቑጺሩ። ሰልፊ ሞደራትና ውን 1% ወሰኽ ብምርኣይ 22.4% ኣቑጺሩ። ስቬርያ ዲሞክራትና ውን ቁሩብ ወሰኽ ብምርኣይ 18.9% ኣቑጺሩ። ሰልፊ ሚልዮፓርትየት ድማ 3.8% ብምቑጻር፡ ትሕቲ’ቲ ናብ ፓርላማ ዘእትው ቁጽሪ ኣዋህሊላ ኣላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com