Saturday , May 18 2024
An election worker explains a ballot to a woman at a polling center during voting in the parliamentary elections in Tripoli, Libya, (AP Photo/Mohammed Ben Khalifa)

ሊብያ . . . ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ክናዋሕ እዩ ተባሂሉ

ጽባሕ ዓርቢ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሊብያ፡ ንሓደ ወርሒ ክናዋሕ ምዃኑ ኮሚሽን ምርጫ ሊብያ ገሊጹ።

እቲ ኮሚሽን፡ ምስ ባይቶ እታ ሃገር ድሕሪ ዘካየዶ ልዝብ፡ ነቲ መዓልቲ ምርጫ ናብ 24 ጥሪ ክሰግር ምግባሩ ኣመልኪቱ’ሎ። እቲ ባይቶኣዊ ኮሚቴ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጽባሕ ዓርቢ ምርጫ ምክያድ ዘይከኣል እዩ ምባሉ ዝዝከር እዩ። እዚ ምርጫን ሕጹያትን ሕጋውያን ድዮም ዝብል ክርክራት ከምኡውን ናይ ጸጥታ ስግኣታትን ወጥሪን ሰፊኑ ምህላዉ ጸብጻብ ቢቢሲ ወሲኹ ኣመልኪቱ።

እዚ ምርጫ ኣብ ሊብያ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ምስፋን ተራ ክህልዎ ከም ዝኽእል ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሃገራት ምዕራብን ዘለዎም ተስፋ ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።

ሊብያ፡ ኣብ ዓለምና ካብ ዘለዋ ዓበይቲ ኣፍረይቲ ነዳዲ ሓንቲ ኮይና፡ ናብ ኣውሮጳ ዝብገሱ ስደተኛታት ከም መሳገሪ ዝጥቀሙላ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዋ ሃገር እያ።

ንሊብያ ንልዕሊ 40 ዓመት ዝመርሐ ሙዓመር ቐዛፊ፡ ኣብ 2011 ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ፡ እታ ሃገር፡ ኣብ ዕግርግር ተሸሚማ ምህላዋ ጸብጻባት ይገልጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com