Friday , May 17 2024

ላሪ ማክሙርትሪ፡ ኣብ መበል 86 ዓመቱ፡ ዓሪፉ

ውሩይ ኣመሪካዊ ጸሓፊ ፊልምን ደራሲ ዓበይቲ ልበወለዳትን፡ ላሪ ማክሙርትሪ፡ ኣብ መበል 86 ዓመቱ ትማሊ ቀዳም ዓሪፉ።

ላሪ፡ በተን ላስት ፒክቸር ሾው ን ተርምስ ኦቭ ኢንዲርመንት ዝተባህላ ሽልማት ኦስካር ዝረኸባ ፊልምታት፡ ዝና ዝረኸበ ደራሲ እዩ።

ላሪ፡ ኣብ 1936 ኣብ ቴክሳስ ተወሊዱ። ኣብ 2005 ምስ ብሮክባክ ማውንትን ብሓባር ብዝደረሳ፡ሎንሳም ዴቭ፡ ዝተባህለት ናይ ፊልም ጽሕፍቲ ሽልማት ኦስካር ወሲዱ እዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ሆርስማንን ደሓር ብ ፖል ኒውማን ናብ ፊልም እተሰርሐት ፓስ ባይ ዝብላን ዓበይቲ ልበወለዳት ደሪሱ እዩ። ላሪ ኣብ ምዕባለ ስነጽሑፍ ኣመሪካ ዝነበሮ ኣበርክቶ ብደረጃ መንግስቲ ኣፍልጦ ረኺብሉ እዩ። ኣብ 2015 ብ ፕረሲደንት ኦባማ ናይ ናሽናል ህዩማኒቲስ ሜዳል ሽልማት ተቐቢሉ።

ላሪ ብቀዳም ምሟቱ ኣፈኛ እቲ ቤተሰብ ኣማንዳ ሉንድበርግ ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com