Saturday , May 18 2024

ላዕለዋይ ደርጃ ኣብያተ ትምህርትን ወሃብቲ ስልጠናታትን ድሕሪ ክልተ ሳምንታት ክኽፈታ ሙዃነን ይሕበር።

ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታት፡ ኮለጃት፡ ዩኒቨርሲታት፡ ናይ ዓበይቲ ቤት ትምህርታትን ስነ-ኪነትን ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሰኔ ክኸፍታ ምዃነን ኣፍቶንብላደት ስም ናይ ምንጭታቱ ከይጠቐሰ ሓቢሩ።

እዚ ማለት ድማ፡ ከምቲ ልሙድ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ክረምታዊ ንጥፈታት ትምህርቲ ክቕጽል ምዃኑን ኣብ እዋን ክረምቲ ዝጅምር ዓመታዊ ትምህርትን ትምህርቲ ንዓበይቲን ክቕጽል ምዃኑ ዝሕብር እዩ።

ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታትን ዩኒቨርሲታትን ካልኦትን ካብ ዝሓለፈ 17 መጋቢት ጀሚረን ብሰንኪ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ከምዝተዓጽዋን ትምህርተን ብናይ መስመር ትምህርቲ (online education) ይቕጽለኦ ከምዘለዋ ይፍለጥ።  

መንግስቲ ሽወደን ኣብ ቀረባ እዋን ንውሳኔ ምቕጻል ትምህርቲ ከቃልሕ ትጽቢት ይግበር።

መርበባት ሓበሬታ ሽወደን ከምዝሕብረኦ፡ ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ትምህርትን ሎሚ ጋዜጣዊ ዋዕላ ከካይዱ እዩም።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com