Saturday , May 18 2024

ልዑል ትሕዝቶ ፖታሽዩም ዘለዎም መግብታት

ልዑል ትሕዝቶ ፖታሽዩም ዘለዎም መግብታት ጥቐሱ እንተንበሃል፡ መብዛሕትና ኣብ ሓንጎልና ብቐዳምነት ዝመጻና ባናና ኢዩ። ብርግጽ ባናና ልዑል ትሕዝቶ ፖታሽዩም ኢዩ ዘለዎ። ንዕኡ ጥራይ ስለ እንፈልጥ ኢዩ’ምበር ትሕዝቶ ፖታሽዩም ዘለዎም መግብታት ሓያሎ ኢዮም። ነዚ ዝቕጽል ጽሑፉ ምስ እነንብብ እምበኣር፡ ኣብ ቀረባና ካብ እንረኽቦም መግብታት ሓያሎ ልዑል ትሕዝቶ ፖታሽዩም ዘለዎም ከም ዘለዉ ክንፈጥ ክሕግዘና ኢዩ። እዞም መግብታት ኣብ ስሩዕ ኣመጋግባና ምስ እነዘውትሮም ድማ፡ ኣካላትና ብቐሊሉ ድኻም ከይስምዖን ከይድንዝዝን ይሕግዘና። ካብ ቃንዛ ጭዋዳ ድማ ናጻ ንኸውን። ብዋሕዲ ፖታሽዩም ኣብ ጥዕናና ክስዕብ ንዝኽእል ጸገማት ድማ ብልዑል መጠን ከነጉድል ከም እንኽእል ሓካይም የመልክቱ።

ጻዕዳ ፋጆሊ (White Beans) ፦ ካብ ፍርቂ ኩባያ ጻዕዳ ፋጆሊ 502 ሚሊ ግራም ማዕድን ፖታሽዩም ክንረክብ ንኽእል። እዚ ዓይነት ጥረታት፡ ልዑል ናይ ጽሕጊ ትሕዝቶ ስለ ዘለዎ፡ ኣብ ኣካላትና ዝህሉ መጠን ኮሌስትሮል ኣብ ምጉዳልን ንንጥፈታት ናይ መዓናጡ ኣብ ምሕያልን ልዑል ተራ ኢዩ ዝጻወት። ጻዕዳ ፋጆሊ ጭዋዳታት ንምህናጽ ብዝሕግዝ ኣሚኖ ኣሲድ ዝሃብተመ ኢዩ። ብፍላይ በላዕቲ ሓምሊ (vegetarian) ንዝኾኑ ሰባት እዚ ጥረ’ዚ ዝበለጸ ምንጪ ፕሮቲን ኮይኑ’ውን ከገልግሎም ይኽእል ኢዩ።

ምቊር ድንሽ (Sweet Potatoes)፦ ኣብ ሓደ ማእከላይ ዓቐን ዘለዎ ምቁር ድንሽ ክሳብ 543 ሚሊ ግራም ትሕዝቶ ፖታሽዩም ክርከብ ይከኣል። ምቊር ድንሽ ብዝተፈላለየ መልክዕ ክንረኽቦ ይከኣል ኢዩ። ኣብቲ ዝህቦ ትሕዝቶ ግና ብዙሕ ዝፍለ ኣይኮነን።

ኣቮካዶ (Avocados)፦ ኣቮካዶ በቲ ዘለዎ ጥዕናዊ ቅብኣት ኢዩ ዝያዳ ዝፍለጥ። ይኹን’ምበር እዚ ዓይነት ፍረ’ዚ ልዑል ትሕዝቶ ፖታሽዩም ከም ዘለዎ ኸ ትፈልጡ ዶ? ኣብ ፍርቂ ናይ ሓደ ፍረ ኣቮካዶ ክሳብ 497 ሚሊ ግራም ፖታሽዩም ክርከብ ከም ዝከኣል ይንገር። ስፒናቺ (Spinach)፦ ስፒናቺ ብዘለዎ ፍሉይ ጣዕሚ ሓያሎ ስድራቤት ብብዝሒ ይምገብኦ ኢየን።

ዓይነት ሓምሊ ብምዃኑ ልዑል ትሕዝቶ ቫይታሚንን ማዕድንን ከም ዘለዎ ኣይንስሕቶን ኢና። ካብ ዘለዎ ትሕዝቶ ማዕድን ድማ ናይ ፖታሽዩም ዝበዝሐ ምዃኑ ኢዮም ክኢላታት ዘመልክቱ። ኣብ ሓደ ብያቲ ስፒናቺ ክሳብ 839 ሚሊ ግራም ፖታሽዩም ክርከብ ይከኣል።

ምንጪ፦ ideadigezt.com


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com