Friday , May 17 2024
Magnus Thyberg, vaccinsamordnare Foto: Claudio Bresciani / TT / Kod 10090

ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ነበርቲ ስቶክሆሎም፡ ክታበት ኮቪድ ተኸቲቦም

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ስቶክሆሎም ዝርከቡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ነበርቲ፡ እንተወሓደ ሓደ እብረ ጸረ ሕማም ኮቪድ ክታበት ዝተኸትቡ እዮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።  

ብዝሒ መጠን ናይቶም ዝተኸትቡ ሰባት 54.7% ካብ ጠቕላላ ድምር ነበርቲ ኮይኑ ካብዚኣቶም እቶም 524 ሽሕ ሰባት፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ እዮም።

ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ስቶክሆሎም ዝርከቡ ልዕሊ 35 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ክታበት ኮቪድ ከምዝተኸትቡ ተፈሊጡ። ኣብ ወቕቲ ቀውዒ፡ ከጋጥም ንዝኽእል ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምቁጽጻር፡ ዕድል እንተድኣ ተረኺቡ፡ ዝበዝሐ ሰብ ክኽተብ ከምግባእ ኣወሃሃዲ ክታበት እቲ ከባቢ፡ ማግኖስ ቲበሪ፡ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ ምምሕዳራት ስኮነን ቬስትራ ጎትላንድን መጠን ክታበት ትሑት ብምህላዉ፡ ክሳብ ትማሊ ዓርቢ፡ ኣስታት 550 ሽሕ ካብ ተቐማጦ ስኮነ፡ እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ ምኻኖምን ካብዚኣቶም ድማ እቶም 28% ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ እዮም።

ኣብ ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ፡ 47% ካብ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ማለት 640 ሽሕ ሰባት፡ እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ ኮይኖም፡ ካብዚኣቶም እቶም 24% ክልተ እብረ ክታበት ዝተኸትቡ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com