Monday , May 20 2024
Foto: Håkon Mosvold Larsen / NTB

ልዕሊ ሓደ ካብ ኣርባዕተ ኖርዌጃውያን ብሩስያ ከም ዝሰግኡ ተገሊጹ።

ልዕሊ ሓደ ካብ ኣርባዕተ ኖርዌጃውያን፡ ሩስያ ን ኖርወይ ስግኣት እያ ኢሎም ከም ዝኣምኑ፡ ኢን-ፋክት ን ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ወኪሉ ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ ኣመልኪቱ።. ክሳብ 28.9% ዝኾኑ ኖርዌጃውያን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኖርወይ እተውርዶ ስግኣት “ልዑል” ወይ “ኣዝዩ ልዑል” እዩ ክብሉ እንከለዉ፡ 28.7% ዝኾኑ ድማ “ንኡስ” ወይ “ኣዝዩ ንኡስ” እዩ ኢሎም ከም ዝሓስቡ ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብቲ ዳህሳስ፡ ን ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ኖርዌጃውያን “ሩስያ ን ኖርወይ ክሳብ ክደይ ስግኣት እያ ትብል/ሊ?” ዝብል ሕቶ ከም ዝቐረበሎም፡ ኖርወይ ቱደይ ኣመልኪታ። እቲ ደረጃ ስግኣት፡ ካብ ስኬል 1-5 ክቕመጥ እንከሎ፡ 1 ብጣዕሚ ትሑት 5 ድማ ኣዝዩ ልዑል ዝብል እዩ ኔሩ። ደቀንስትዮ ኣባላት ሕበረተሰብ፡ እዚ ስግኣት ብዝበለጸ ከም ዝስምዐን፡ እቲ ዳህሳስ ወሲኹ ኣመልኪቱ። እቲ ስግኣት፡ ብ ጂኦግራፍያዊ ዝርግሐ እውን ከም ዝፈላለ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ህዝቢ ሰሜን ኖርወይ ዝወሓደ ስግኣት ክስምዖም እንከሎ፡ ህዝቢ ምብራቕ ኖርወይን ኦስሎን ኣዝዮም ከም ዝሻቐሉ ተመልኪቱ።   “ዋላኳ ቅጽበታዊ ስግኣት ኣይሃሉ፡ ህዝቢ ዝስምዖ ዘሎ ፍርሂ ግና መሰረት ዘይብሉ ኣይኮነን፡፡ ብሐፈሻ ሩስያ ዛጊት ካብ ዝፈጸመቶ ጌጋታት ተማሂራ ትኸውን እያ ዝብል እምነት ኣሎኒ” ክብል ሌትና ኮሎኔል ጌር ካርልሰን ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com