Saturday , May 18 2024
Turkish coast guard vessel (AP Photo/Emrah Gurel, File) XTS101

ልዕሊ 200 ስደተኛታት: ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም

231 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ: በቲ ንቱርኪ ምስ ኤውሮፓ ዘራኽብ ባሕሪ ኤግያን (Aegean Sea) ኣቢላ ኣብ ትጓዓዘሉ ዝነበረት እዋን: ብኣባላት ሓለዋ ገማግም ቱርኪ: ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወት ሰብ መዚ መንግስቲ ቱርኪ ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።
ኣብታ መርከብ ካብ ዝነበሩ: እቶም 208 ኣፍጋኒስታናውያን ክኾኑ እንከለዉ: እቶም ዝተረፉ ድማ ካብ ሶርያ: ኢራን: ኤርትራን ፓኪስታንን ምዃኖም ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ቱርኪ ሓቢሮም።
ብዙሓት ኣፍጋኒስታናውያን: ናብ ኤውሮፓ ንኽኣትዉ: ካብ ሃገሮም: ብኢራን ኣቢሎም ናብ ምብራቕ ቱርኪ ከም ዝኣትዉ ይፍለጥ።
ክልተ ነታ መርከብ ዝመርሕዋ ዝነበሩ ቱርካውያን: ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ: ሰብ መዚ መንግስቲ ሓቢሮም።
ብመሰረት ጸብጻባት ወኪል ስደተኛታት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ UNHCR: ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ: ኣስታት 100 ሽሕ ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ኣፍጋኒስታናውያን ኣብ ቱርኪ ምንባሮም ይግለጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com