Friday , May 17 2024
Migrants from Libya to Europe (AP Photo/Joan Mateu) EM101

ልዕሊ 57 ካብ ገማግም ሊብያ ዝተበገሱ ሰባት፡ ጥሒሎም

ካብ ርእሲ ከተማ ሊብያ፡ ትሪፖሊ፡ 120 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ካብ እትርከብ ወደብ ኾምስ፡ ናብ ኤውሮፓ ንምስጋር ዝሃቀኑ ሰባት ሒዛ ዝተበገሰት ጃልባ፡ ርሑቕ ከይከደት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ስለዘጋጠማ፡ ከም ሳዕቤኑ፡ ልዕሊ 57 ሰባት ምሟቶም፡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ክፍለጥ’ኳ እንተዘይከኣለ፡ ከምቲ ኣብ ዝበዝሓ ጀላቡ ዝረአ፡ ብቕዓት ዘይብለን ጀላቡን ልዕሊ ዓቐን ጽዕነትን ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግመት።

ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምጉዳል፡ ምስ መንግስቲ ሊብያ ስምምዕ ብምግባር፡ ሓገዛት እናሃበ፡ ነቶም ንኤውሮፓ ክሰግሩ ዝሓስቡ ስደተኛታት፡ ወላ’ኳ ደረጃ መነባብሮ ትሑት ምዃኑ እንተፈለጠ፡ ናብ ሊብያ ብምምላስ ኣብኡ ከምዝጸንሑ ይገብር ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ። ነዚ ምርኩስ ብምግባር ድማ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ፡ ብኣባላት ሓለዋ ገማግም ሊብያ፡ ኣስታት 13 ሽሕ ስደተኛታት፡ ካብ ባሕሪ ተኣርዮም ናብ ሊብያ ከምዝምለሱ ኮይኖም ኣለዉ ክብል ጸብጻብ ወኪል ስደተኛታት ኣብ UNHCR ገሊጹ።

ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት፡ ነዚ ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝኽተሎ ዘሎ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት፡ ብትሪ ከምዝነቅፍ ገሊጹ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com