Friday , May 17 2024

ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት፡ ብጌጋ፡ ክታበት ኣስትራ ዚኒካ ተወጊኦም

ኣብ ቦሮስን (Borås) ዮተቦሪን (Gothenburg) ዝቕመጡ 15 ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት፡ ብጌጋ፡ ክታበት ኩባንያ ኣስትራ ዚኒካ ከምዝተወግኡ ኩባንያ ስቪያ ቫክሲን ሓቢሩ። እቲ ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት፡ ዘለዎ ጽልዋ ብዝምልከት፡ ንጹር ዝኾነ ሓበሬታ ዘይተረኽቦ ክታበት ኣስትራ ዚኒካ፡ ንሽማግለታት ከይወሃብ ብበዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓበሬታ ተወሂቡ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

 እቲ ዝተዋህበ ክታበት፡ ብዘይጥቕሚ ንኸይድርበ ተባሂሉ ነዞም ሽማግለታት ከምዝተዋህበ ኣካያዲት ስራሕ ስቪያ ባክሲን፡ ሪድሃ ሃዲፊ ንጋዜጠኛ ኣማኑኤል ካርልስተን ሓቢራ።

እዞም ነዚ ክታበት ዝወሰዱ 15 ሰባት፡ ኣብ ምክትታል ናይ ኩባንያ ከምዝርከቡን ኣባላት ድማ ብዛዕባ’ዚ ክታበት ዝምልከት እዋናዊ ሓበሬታታት ከምዝበጽሖም ክንገብር ኢና  ክትብል ኣወሃሃዲት ክታበት ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ፡ ክሪስቲን ሪጌ ነቲ ጋዜጠኛ ገሊጻትሉ።

እዞም 15 ሰባት ይኹኑ፡ ካልኦት ብጌጋ፡ ኣብ ቀዳማይ ዙር፡ በዚ ክታበት ዝተወግኡ ሰባት፡ ኣብ ካልኣይ ዙርያ፡ ብክታበት ኩባንያ ፋይዘር ክውግኡ ምዃኖምን፡ ናይ ዝተፈላለያ ኩባንያታት ክታበት ምውጋእ ድማ ሓደገኛ ከምዘይኮነን ክትብል ሪድሃ ሃዲፊ ትገልጽ።

ኣብ ልዕሊ ኩባንያ ስቬያ ቫክሲን ዝተወስደ ስጉምቲ የለን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com