Sunday , May 19 2024

ሎሚ ለይቲ ክልተ ምፍንጃራት ኣብ ሰሜን ስቶኮልም ኣጋጢሙ።

ኣብ ከባቢ ሁስቢን (Husby) ሽሽታ (Kista) ስቶኮልም ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ናይ ደቓይቕ ፍልልይ ዘጋጠመ ክልተ ምፍንጃራት ሓደ ሰብ ብምቑሳል ከባቢ 50 ሰባት ካብቲ ከባቢ ከምዘፋናቐለ ፖሊስ ገሊጹ።

ብመስረት ጸብጻብ ፖሊስ እቲ ቀዳማይ ምፍንጃር ሰዓት 02:33 ከጋጥም ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ድሕሪ ሓደ ደቒቓ ከምዘጋጠመ ሓቢሩ።

ብመስረት ወሃቢ ቃል ከፍሊ ምክልካል ሓደጋ ባርዕ ፍረደሪክ ደክላንድ ን ኣገልግሎት ዜና ተተ ኣብ ዘሃቦ ሓበሬታ እዚ ምፍንጃራት ኣብ ራብዓይ ደርቢ መንበሪ ገዛውቲ ብምኽሳቱ ኣብ ንብረትን ኣብ መንበሪ ገዛን ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደ ሓቢሩ።

ጠንቂ እዚ ምፍንጃር ዛጊት እንታይ ሙዃኑ ከምዘየተፈልጠን ፖሊስ ብ ኪኢላታት ኖታጊ ተሓጊዙ መርመራታት ከምዝጀመረ እዚ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ይገልጽ።[


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com