Saturday , May 18 2024

ሎሚ ምሸት ተሃራፊ ጸወታ ቻምፒዮን ሊግ ባርሶሎና ዶ ባየር ሙኒኽ ?

መቐጸልታ ኣብ ከተማ ሊዝበን ፖርትጋል ዝካየድ ዘሎ ግጥም ቻምፒዮን ሊግ ናብ ፍርቂ ፍጻሜ መን ሓልፈ ኣብ መንጎ ብ መሲ ትቅለስ ባርሶሎናን ነዚ ውድድር ብ 13 ሽቶታት ዝመርሕ ዘሎን ናይ ሎሚ ዓመት ተዓዋቲ ባሎን ዲኦር ክኸውን ልዑል ተክእሎ ዝነበሮን ሉዋንደሎስኪ ካብቲ መልእ ኣፍቀሪቲ ስፖርት ዝጽበዮ ዘለዉ ምንላባት እውና ይብል ጋዜጠኛ ስፖርት ቢቢሲ እቲ ዝሓየል ግጥም ናዚ ዓመት ክኸውን ይብል።

እሞ ሉዋንደሎስኪ ብድምር ሎሚ ዓመት 53 ሸቶታት ምስ ስኪዔት ዝጸንበር ሎሚ ከ ንምክልኻል ባርሶሎና በሲዑ ይውስኸሉዶስ ወይስ ተኣምር ምስራሕ ዘይጽግሞ ብልሓታዊ ልዮነል መሲ ከምዝተለመደ ንምክልኻል ባየርሙኒኽ ጥሒሶ ን ጋንትኡ ናብ ፍርቂ ፍጻሜ ከዝልላ ሎሚ ምሸት ብ ኣቖጻጽራ ሽወደን ካብ ሰዓት 9 ምሸት ኣብ መስኹቲ ተለቭዝዮን ንከታተል።

እዚ ግጥም ፍሉይ ካብ ዝገብሮ ካብዘን ኣብ ውድድር ተርፈን ዘለዋ ጋንታት እዚ ክልተ ጥራይ እየን ነዚ ውድድር ዋንጫ ብምልዓል ልምዲ ዘለዎን እንተ፣ እተን ዝተረፋ ን ፈላማ ግዝኤን እየን ዘማዕድዋ ዘለዋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com