Saturday , May 18 2024

ሎሚ ምሸት ኣብ ማልሞ ኣንጻር ዓልየትነት ሰለማዊ ሰልፊ ክካየድ እዩ።

መቐጸልታ ናይቲ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ኣብ ስቶክሆልም ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ሎሚ ምሸት ኣብ ከተማ ማልሞ ክካየድ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣንጻር ዓሌትነት ዝካየድ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣሜሪካ ዘጋጠመ ቅትለት ናይ ሓደ ጸሊም ኣሜሪካዊ ብፖሊስ ምዃኑ ይፍለጥ።

ሰለማዊ ሰልፊ፡ ዲሞክራስያዊ መሰል እዩ። ኣብዚ እዋን ቅልውላው ለበዳ ቫይረስ ምትእኽኻብ ሰባት ከስዕቦ ዝኽእል ህልቂት ኣብ ግምት የእቲና ብመርበባት ኢንተርኔት ተቓውሞና እንተነስምዕ ዝሓሸ ምኾነ ክብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሚካኤል ዳምቤሪ፡ ነቲ ውሳኔ ምትእኽኻብ ከምዝኾነኖ ሓቢሩ።

እዚ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ምድላዋት ንካይድ ኣለና። እቶም ተሳተፍቲ ድም ንመምርሒታት ኣሃዱ ህዝባዊ ጥዕና ኣብ ግምት የእትዮም ዲሞክራስያዊ መሰላቶም ክፍጽሙ ተስፋ ንገብር ክትብል ወሃቢ ቃል ፖሊስ ደቡባዊ ከባቢ፡ ኢዋ ጆን ፊስትፎርድ፡ ንማዕከን ሓበሬታ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ሓቢራ።

ሓደ ካብቶም ኣዋሃሃዲቲ፡ ሎሚ ምሸት ዝካየድ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ማልሞ ዝርከብ ከባቢ ገማግም ሪቢሽቦሪ ንኸካይድዎ ጠለብ ኣቕሪቡ ኣሎ። ፖሊስ’ቲ ከባቢ ብወገኑ እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ሓምላይን ክፉት ዝኾነ ገፊሕ ቦታን ንኽካየድ ምስ ኣዋሃሃዲ’ቲ ፍጻሜ ይዛራረቡ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ቀሪቡ ዘሎ ጠለብ ሰለማዊ ሰልፊ ብሰንኪ ምጥሓስ መምርሒታት ኣሃዱ ጥዕና ክንጸግ ኣይክእልን እዩ። ነቲ ቀሪቡ ዘሎ ጠለብ ብወገን ፖሊስ ኣሉታዊ መልሲ ዋላ እንተ ተዋህቦ ሰባት ባዕላቶም ተኣኪቦም ሰለማዊ ሰልፊ ናይ ምክያድ ተኽእሎ ዓቢ እዩ ክብል ወግዓዊ ወሃብ ቃል ፖሊስ ዝኾነ ማትስ ኤሪክሰን ንተለቭዥን ሽወደን ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com