Saturday , May 18 2024

ሎሚ ምሸት ግጥማት ፕሪመር ሊግ ወልቭስ ምድ ማንቸስተር ሲቲ

እዛ ስጋብ ሎሚ ግጥም ፕሪመር ሊግ ጸወታ ዘይ ጀመረት ብ ፔፕ ጋርዴላ እትእለ ማንቸስተር ሲቲ ነዚ ዓመት ሒዛቶ ዘላ ኣቃውማ ምስ ዝሓለፈ ጎደሎ ሃጋፋት መስመር ምክልኻላ ከመይ ይመስል ሎሚ ምሽት ምስ ሓንቲ ካብተን በዳሕቲ ክለባ ዝኾነት ብ ኒኖ ስፒሪቶ እትእለ ወልቭስ በዳሂ ጸወታ ይጽበያ። ፔፕ ጋርዴላ ምስ ወዳድርቱ ዝኾና ዓበይቲ ክለባት ከም ሊቨርፑል ኣርሰናል ድሮ ብ 6 ነጥቢ መሓድጌንኦ ምህላወን እዛ ጸወታ ናይ ግድን ዝዕወተላን ሃጛፋት ምስ ዝህልዎ ድማ ድሮ ኣብዘን ተሪፈንኦ ዘለዋ ናይ ምስዕጋር መዓልቲ ተጠቂሙ መስመራቱ ከተዓራሪ ዕድል እትህብ እያ። ክለብ ወልቭስ ብ ኣሰልጣኒኣ ፖትሪጋላዊ ኒኖ ስፒሪቶ ዝበዝሑ ተጻወቱ ፖርትጋላዋያን ከምኻኑም እታ ንእሽቶ ሃገራዊት ጋንታ ፖርትጋል ብምባል ዘለዋ ምድላዋት ን ማንቸስተር ሲቲ ቀሊል ከምዝይኮነት እዩ ዝግመት።

ማንቸስተር ሲቲ ስጋብ ሕጂ ን ናታን ኣከ ብ 45 ሚልዮን ፓውንድ ካብ ቦርንማውዝ ከምእውን ፈራን ቶረስ ብ 23 ሚልዮን ፓውንድ ካብ ቫለንስያ ዘፈረመ ኮይና። ትማሊ ኣማስዩ ኣስልጣኒ ናፖሊ ጋትሶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኩሉባሊ ምስግጋሩ ናብ ማን ሲቲ ከምዘይተርፍ ብምትንብሁ ገለ ማንቸስተር ሲቲ ኣብ መሳርዓ ኣብ ቀርባ እውን ዝህልው ይመስል።

ብወገን ወልቭስ ን ካልእ ፖርትጋላዊ ን ሰሜዶ ካብ ባርሶሎና ብ 30 ሚልዮን ፓውንድ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሔት ይንገር ብምህላዎ እዝ ጋንታ ስጋብ ክንደይ ሓያል ዓቅሚ ምህላዋ ኣብ ዝገብረቶ ውድድራት ዩሮፕያን ሊግ እውን ኣመስኪራ እያ።

ካልእ ሎሚ ምሸት ካብ ዝካየዱ ጸወታታት ኣብ ሜዳ ቪላ ፓርክ ዝእንገድ ግጥም ኣስቶንቪላ ምስ ሸፊል ዩናይትድ እውን ቀጺሉ ከምሲ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com