Saturday , May 18 2024

ሎሚ ምሸት ግጥም ፕሪመር ሊግ ሊቨርፑል ምስ ኣርሰናል

ን መሳልል ፕሪመር ሊግ መን ብ ሙሉእ ነጥቢ ብመርሒነት ንምቕላስ፣ ሎሚ ምሸት ኣብ ሜዳ ኣንፊልድ ካብ ዝካየድኦ ክልተ ጸወታታት ሙሉእ ነጥቢ ሒዘን ዘለዋ ን ክብሪ ቻምፒዮንነታ ንምዕቃብ ትቃለስ ዘላ ሊቨርፑልን ኣርሰናል ዓቢ ግጥም ክእንገድ እዩ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ምሸት ጸወታ ኣብ ኣንፊልድ ዝእንገድ ኮይኑ ብወገን ዳንነት ድማ ብ ማእከላይ ዳኛ ክረይ ፓውሰን ክምራሕ እዩ። ነዚ ናይ ሎሚ ጸወታ ብወገን ኣርሰናል ጋብሪኤል ማርትኔሊ፣ ቻምፐርስ፣ ፓውሎ ማሪን ሙስጣፍን ብመጉዳእቲ  ከምእውን ሉካስ ቶረራ ብምኽንያት ምዝውዋር ኣብዚ ጸወታ ዘየለዉ ክኾኑ ከለዉ። ብወገን ሊቨርፑል ድማ ብመጉዳእቲ ማቲፕን ሄንደርሰንን ዘይስልፉ ኮይኖም፣ ሓልዊ ልዳት ኣሊሰን በከርን ሓድሽ ኣባል እዛ ጋንታ ቲያጎ ኣልካንታራብዘለዎ ቀሊል ሞጉዳእቲ ክቦክሩ ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ ግን ድሒሩ ኣስልጣኒ እዛ ክለብ የርገን ክሎቭ ውሳኒኡ ከፍልጥ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ዝሓልፈ ርክባት እዘን ክለተ ክለባት ምስ ንምልከት፣ ኣብ ዝሓልፈ ኣብ ሜዳ ኣንፊልድ ዝተኻየደ ኣርባዕተ ግጥማት ብምልኡ ሊቨርፑል ክትዕወተሉ ከላ ኣብ ዝሓልፈ ግጥማ ኮሚኒቲ ሽልድ ድማ ብዓወት ኣርሰናል ተዛዚሙ።

ኣብዚ ጸወታ ኣርሰናል ምስትስዕር ኣብ ተኸታታሊ 3 ግዜ ብምዕዋት ድሕሪ 2004 ተባሂሉ ክመዝገበላ ኣዩ።

ነዚ ናይ ሎሚ ምሸት ጸወታ ተንታኒ ቢቢሲ ላውር ብዓወት ሊቨርፑል 3 ብ 0 ክዛዘም እዩ ክብል ግምቱ ኣቀሚጡ፣ ንስኹም ኸ?


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com