Friday , May 17 2024

ሎቨንን ሊንድን ምስ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ተራኺቦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪንን ሓላፊት ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝኾነት ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን ሽወደን፡ ኣማንዳ ሊንድ ትማሊ ዓርቢ ብመንገዲ ኣገልግሎት ቪድዮ ኣቢሎም ምስ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ወከልቲ ሃይማኖታት ክርስትና፡ እስልምና፡ ኣይሁድን ቡድሃን ከምዝተራኸቡ ተሓቢሩ። ዕላማ ናይቲ ርክብ፡ ኩነታት ተኸተልቲ እዘን ሃይማኖታት ንምፍላጥን ኣብዚ ሽወደን ተሕልፎ ዘላ ሕማቕ ግዜ ድማ ሓለፍቲ ሃይማኖታት ንሰባት ተስፋ ኣብ ምሃብን ምርግጋእን ጸላዊ ተረኦም ንኸበርክቱ ዝዓለመ ምዃኑ መንግሲቲ ሽወደን ኣብቲ ቅዳሕ ንኣልኮምፒስ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብዚ ማሕበራዊ ሂወትናን ካልእ ንጥፈታትን ከነካይደሉ ዘይንኽእል ዘለና ግዜ ተጻዋርነት ሽወደን ዝፍተነሉ ግዜ ምዃኑን ኣብ ዝቕጽል ሳምንታትን ኣዋርሕን ውን ዝጸንከረ ክኸውን እዩ ክብል ሎቪን ኣብ ናይ ውልቁ ናይ ፈስቡክ ሒሳቡ ሎሚ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሓቢሩ። ቛንቛ ሽወደን ናይ ኣደ ቛንቆኦም ዘይኮኑ ኣካላት ውን ሓበሬታን መምርሕታት መንግስቲ ናብ ሕብረተሰብ ብዝተፈላለዩ ቛንቋታት ናይ ምምሕልላፍ ሓላፍነት ኣለዎም ክብል ወሲኹ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሕብረተሰብ ሽወደን ኣገባብ ኣነባብርኡ ይቕይር ኣሎ። ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ብመንገዲ ኢንተርኔት ይካየድ ኣሎ።

እንተኾነ ስነ ስርዓት ቀብሪ ልዕሊ እዚ ከምዘድልዮ ርዱእ እዩ። ኣብ ከምዚ ህሞት፡ እቶም ቀንዲ ሓገዝ ዘድልዮም እቶም ንበይኖም ዝነብሩ ዓበይቲ ሰባት ከምዝኾኑ ሎቪን ሓቢሩ። ይትረፍ’ዶ ኣብ ከምዚ ዓይነት ግዜ፡ ኣብ ንቡር ኩነታት ውን እምነት ኣብ ሽወደን ዓቢ ተራ ከምዝጸኣወት ርዱእ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ባህልን ኣብዚ ከምዚ ዓይነት እዋን ምስ ወከልቲ ሃይማኖታት ምርኻቦም ኣገዳስነቱ ዓቢ ኔሩ ክትብል ኣብ መንግስታዊ ጨንፈር ባህሊ ሰክሬታሪ ርክባት ዝኾነት ጆሴፊን ሳሲ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com