Saturday , May 18 2024

ሎቪን፡ ኩሉ ሰብ ናይ ወርሒ መጋቢት ምሉእ ካሕሳ ንምርካብ ሎሚ ዕለት 31 መጋቢት ከም ስራሕ ኣልቦ ከመልክት ከምዘለዎ ይሕብር።

ሎሚ ዕለት 31/03/2020 ኣብ ሳንዱቕ ሽቕለት ኣልቦውነት (A kassan) ዝተመዝገበ ምሉእ ናይ ወርሒ መጋቢት ካሕሳ ክሕሰበሉ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ስቴፋን ሎቪን ሓቢሩ። መንግስቲ ሽወደን ካሕሳ ሽቕለት ኣልቦውነት ንምውሳድ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ናይ መስርሕ ምቅላላት ከምዝገበረን ካሕሳ ንምርካብ ሓደ ዓመት ዕድመ ስራሕ ክህልው ኣለዎ ንዝብል ሕጊ ናብ ናይ ሰለስተ ወርሒ ዕድመ ምውራዱን ሓደ ካብቲ ዝገበሮ ምቅላላት ነይሩ ክብል ሎቪን ኣብ ውልቃዊ ናይ ፌስ ቡክ ሒሳቡ ገሊጹ።

መንግስቲ ሽወደን ኣብዚ ዘለናዮ ከቢድ ግዜ ንሰራሕተኛታት ተኻፋሊ ሽግሮም ከምዝኸውን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብተወሳኺ ገሊጹ። ትማሊ ኣብ ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ፡ ካሕሳ ሽቕለት ኣልቦውነት ንምርካብ ኣብ ወርሒ ልዕሊ 80 ሰዓታት ስራሕ ዝጠልብ ዝነበረ ሕጊ ናብ ሓደ መዓልቲ ወሪዱ ኣሎ። መንግስቲ ሽወደን ነቲ ዝነበረ ናይ ካሕሳ መዓልታዊ ጥርዚ ኣብተን ቀዳሞት 100 ናይ ስራሕ ኣልቦ መዓልታት ካብ 910 ክሮነር ናብ 1200 ክሮነር ክብ ብምባል ዓንኬል ናይቶም 80% ናይ ደሞዝ ዝወስዱ ዝነበሩ ሰባት ከምዝገፍሕ ክገብር እንከሎ፡ ነቶም ቀዋሚ ስራሕ ዝነበሮም ሰባት ድማ መሰረታዊ መዓልታዊ መጠን ካብ 350 ክሮነር ናብ 510 ክሮነር ክብ ከምዝብል ገይሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com