Saturday , May 18 2024

ሎቬን፡ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታትን ዩኒቨርሲታትን ክንከፍት ኢና

ካብ መፋርቕ ሰኔ ጀሚሩ ኩሎም ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃን ዩኒቨርሲታትን ናይ ክረምታዊ ትምህርቲ ንጥፈታቶም ከሰላስሉ ክጅምሩ ምዃኖም ተፈሊጡ።

ኩሎም ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ፡ ኮለጃት፡ ዩኒቨርሲታትን ናይ ዓበይቲ ቤት ትምህርታትን ኣብ ክረምቲ ስሩዕ ንጥፈታቶም ክጅምሩ ምዃኖም ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስቴፋን ሎቬን፡ ኣብ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ።

 ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ካብ ዕለት 15/06/2020 ትምህርቶም ክጅምሩ ምዃኖም ሚኒስተር ትምህርቲ፡ ኣና ኢኮስቶርም፡ ሓቢራ። እቶም ናይ ክረምታዊ ትምህርቲ ዕድላት ዝጽበዩ ዝነበሩ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዕድል ተኸፊትሎም ከምዘሎ እታ ሚኒስተር ብምውሳኽ ገሊጻ። ብዛዕባ ናይ ዓበይቲ ትምህርትን (Komvux) ስነ-ኪነትን ዝምልከት ድማ ንለበዳ ቫይረስ ንምቁጽጻር ብከፊል ክጅመር ምዃኑ ብተወሳኺ ገሊጻ።

መንግስቲ ነዚ ውሳኔ ምምሕልላፉ፡ ቅልውላው ኮሮና ዘስዓቦ ሓደጋ ኣብቂዑ ማለት ከምዘይኮነ ሎቬን ኣትሪሩ ገሊጹ። ኣብ’ዚ ዘለናዮ ከቢድ እዋን ንሂወት ደቂ ሰባት ንምቅላል ተባሂሉ ዝተወሰነ ምዃኑን እቲ መምርሒታት ጥዕና ግን ብቐጻሊ ክንክተሎም ይግባኣና ክብል ወሲኹ ገሊጹ። መምርሒታት ምስ ዝጠሓሱ ዳግማይ ተመሳሳሊ ውሳኔታት ከነመሓላልፍ ክንግደድ ምዃንና ንርዱ እኳ እንተኾነ ህዝቢ ሽወደን ሓላፍነታዊ ምዃኑ ይርዳኣና እዩ ክብል ሎቬን ወሲኹ ገሊጹ።

ሓደጋ ለበዳ ኮሮና ኣብ ትምህርታዊ ንጥፈታት ይጎድል ከምዘሎ መጽናዕታት ሓቢሮም ክብል ሓላፊ ኣሃዱ ጥዕና ሽወደን፡ ዮሃን ካርልሰን፡ ገሊጹ። ንካልኣይ ደረጃ ንካይዶ ዝነበርና ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ከምቲ ዝነበሮ ንምቕጻሉ እኹል ምኽንያት ክንረኽበሉ ኣይከኣልናን። እቶም ልዕሊ እዚ ዕድመ ዘለዉ ተማሃሮ ግን በቲ ሓፈሻዊ ምኽርታት ተቐይዶም ክኸዱ ይግባእ። ናይ ትምህርቲ ትካላት ትምህርቲ በቲ ንቡር ኣገባብ ክምይራ እንተዘይክኢለን ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ክቕጽለኦ ይግበአን ክብል ዮሃን ብምቕጻል ሓቢሩ።

ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ንሂወት ብዙሓት ተማሃሮን መማህራንን ከምዝጸለወን፡ ኣብ ምስትምሃር ውን ዓቢ ሽግር ፈጢሩ ከምዝነበረ TT ሓቢሩ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com