Monday , May 20 2024
A group thought to be migrants from Tunisia on board precarious wooden boats (AP Photo/Santi Palacios) PW109

ሓለዋ ገማግም ኢጣልያ፥ 1200 ስደተኛታት ዝጸዓና ጀልቡ ካብ ምጥሓል ኣድሒኖም።

ሓለዋ ገማግም ኢጣልያ፥ ኣብ ገማግም ሲሲሊ፡ ክልተ መጠነ ሰፊሕ ስርሒታት ብምክያድ 1200 ስደተኛታት ዝጸዓና ጀልቡ ካብ
ምጥሓል ኣድሒኖም። ኣብ ሓንቲ ካብዘን ጀላቡ 800 ሰባት፥ ኣብታ ካልአይቲ ኸኣ 400 ሰባት ተሳፊሮም ምንባሮም ቢቢሲ
ጸብጺባ’ላ። ሓለዋ ዶብ እታ ሃገር፥ ካብ ዓርቢ ኣትሒዙ ዛጊት 2,000 ዝኾኑ ስደተኛታት ካብ ምጥሓል ኣድሒኑ’ሎ። ኣብ
ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፥ ክልተ ሰባት ከም ዝጠሓሉ ጀርመናዊ ብዘይ መኽሰብ ዝዓዪ ትካል “ስክዩሺፕ” ገሊጹ እዩ።
ሕሉፍ የመናዊ መንግስቲ ኢጣልያ፥ ስደተኛታት ንምጒዳል ብዙሕ ጻዕርታት የካይድ እኳ እንተሃለወ፡ ምስ ዓሚ እንክወዳደር ናብ
ኢጣልያ ዝኣተዉ ስደተኛታት ብናህሪ ምውሳኹ ተፈሊጡ። እታ 400 ሰባት ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ቶርቡቕ ሊብይ ዝተበገሰት ኮይና
ክሳብ ትማል ሰኑይ ምሸት ብዘይ-ሓጋዚ ኣብ ባሕሪ ምንባራ ንሓደ ዘይወግዓዊ ምንጪ ብምጥቃስ ቢቢሲ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com