Saturday , May 18 2024
Minister for Social Affairs Lena Hallengren (S) Foto Fredrik Sandberg / TT kod 10080

ሓልክታ፡ ብዛዕባ ቀይድታት ኮሮና

ካብ ዕለት 29 መስከረም ጀሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ ሙዚቃኢ ምርኢታት፡ ትያትራትን ስፖርታዊ ንጥፈታት ተጻዒኑ ዝነበረ ቀይድታት ክለዓል ምዃኑን ኣብ መጨረሽታ ናይቲ ወርሒ ድማ ዝበዝሑ ንጥፈታት፡ መናብሮም ብተዓዘብቲ ክመልእ ምዃኑን ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን ሽወደን፡ ኣማንዳ ሊንድ፡ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ዝቕጽል ስጉምትና፡ ሕብረተ ሰብ ሽወደን፡ ብዘይ ቀይድታት ኮሮና፡ ሂወቱ ንኽመርሕን ናብቲ ንቡር መዓልታዊ ሂወትና ንምምላስን እዩ ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ለና ሃለንግረን ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።

ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ካብ ጽላት ኣብያተ መግብታትን ስፖርትን ዝርከብዎም ካልኦት ባህላዊ ንጥፈታት፡ ቀይድታት ኮሮና ንኽዘልቁ፡ ወይ ድማ ወረቐት ምስክር ክታበት ክተኣታተወሉ ዝኽእል መንገዲ ክፍጠር፡  ጸቕጢ ክግበር ምጽንሑ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com