Sunday , May 19 2024
Foto: Henrik Montgomery/TT kod 10060

ሓምላይ ሰልፊ ሕጽረት ሕጹያት ኣለዎም ተባሂሉ።

ዝመጽእ ዓርቢ፡ ሰልፊታት ሽወደን ነቲ ኣብ መስከረም ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ኣመልኪተን፡ ብዕሊ ዝርዝር ሕጹያተን ዘምዝገባሉ ግዜ ዝውድኣሉ መዓልቲ እዩ። ዝበዝሓ ሰልፊታት፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከባ 290 ምምሕዳራት ከተማ ዝወዳደሩ ሕጹያት፡ ከቕርባ እየን። እንተኾነ ግና፡ ሓምላይ ሰልፊ ኣብ 219 ምምሕዳራት ከተማ ጥራይ ሕጹያት ከም ዝህልውዎን፡ እዚ ድማ ኣብ ርብዒ እተን ምምሕዳራት ከተማ ዝወዳደር ሕጹይ ክሓጽሮም ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com