Friday , May 17 2024
እዛ ስእሊ'ዚኣ ናይ ቅድም ኮይና ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ዝተላዕለት እያ።

ሓረስቶት ትግራይ፡ መሬቶም ከይሓርሱ፡ ተኸልኪሎም ተባሂሉ

ሓረስቶት ትግራይ፡ መሬቶም ንኸይሓርሱ ኮነ ኢልካ ዕንቅፋት ይግበር ምህላዉ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓልመዚ ኣቃሊዑ። ንሱ እዚ ዝግበር ዘሎ እንድሕሪ ቀጺሉ ህዝቢ ትግራይ ንዝያዳ ጥሜት ክቃላዕ እዩ ኢሉ። ምክትል ሓላፊ ግዜያዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ኣበበ ገብረሂወት፡ ምስ ተሌቪዥን ትግራይ፡ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ እዞም ብስም ምኽባር ሕጊ ዝተዋፈሩ ሓይልታት፡ ዘርኢ ናብ ሓረስቶት ከይበጽሕ ምእንቲ፡ መንገዲ ከም ዝዓጸዉን፡ ሓረስቶት ናብ ማሕረስ ከይወፍሩ ይኽልከሉ ምህላዎምን ወሲኹ ገሊጹ። ንሱ፡ ኣብዚ ንጥፈታት ዝተዋፈሩ ኣካላት መን ምዃኖም ብልክዕ እኳ እንተዘይጠቐሰ፡ ሰራዊት ኤርትራን ኣምሓራን ተዋፊሮምሉ ዘለዉ ፍሉጥ ቦታ ግና ጠቒሱ’ሎ።

እዚ ምእጋድ ዘርኢን ምኽልካል ማሕረስን፡ ንህዝቢ ትግራይ ኣጥሚኻ ንምቕታል እንተዘይኮይኑ ካልእ ትርጒም ዘለዎ ኣይኮነን” ምባሉ ኣጃንስ ፍራንዝ ፕረስ ን ተሌቪዥን ትግራይ ብምጥቃስ ሓቢራ። እዚ መግለጺ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝተሸመ ሰብ ምስ ምውጽኡ፡ ኣብ ትግራይ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ምህላዉን ንህዝቢ ትግራይ ብጃምላ ንምቕጻዕ ወፍሪ ይካየድ ምህላዉን ዘመልክት እዩ ክብል እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ትግራይ ቅድሚ እዚ 6 ኣዋርሕ ኣቚጺሩ ዘሎ ኲናት፡ ብመግቢ ርእሳ እትኽእል ክልል ምንባራ እቲ ጸብጻብ ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com