Friday , May 17 2024

ሓበሬታ ካብ ክፍሊ ኤሚግሬሽን ሽወደን

ጉዳይ፡ ብጌጋ ዝተላእከ ጽሑፍ ዘይብሉ ኤሌክትሮኒካዊ መልእኽቲ

ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ኢሚግሬሽን፡ ነቶም ብመንገዲ ኤሌክትሮኒካዊ መልእኽቲ ኣቢሎም መንበሪ ፍቓድ ናይ ምንዋሕ ጠለብ ዘቕረቡ ሰባት፡ ብጌጋ፡ ጽሑፍ ዘይብሉ ኤሌክትሮኒካዊ መልእኽቲ ክመጾም ከምዝጀመረ ሓቢሩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ክፍሊ ኢሚግሬሽን፡ ሓድሽ ኤሌክትሮኒካዊ ኣገልግሎት ከተኣታቱ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ዘጋጠመ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ነቶም ፍቓድ ናይ ምንዋሕ ጠለብ ዘቕረቡ ሰባት፡ ክፍሊ ኢሚግሬሽን፡ መልእኽቶም ከምዝተቐበሎ ዝሕብር ኤሌክትሮኒካዊ መልእኽቲ ደጊሙ ክሰደሎም ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com