Saturday , May 18 2024

ሓናት

ረኽሲ ሓናት ማለት ነድሪ ወይ ሕበጥ ናይ ኣብ ጎሮሮና ዝርከባ ጽቅታት ሓናት ማለት’ዩ ።
መብዛሕቱ ግዜ ቫይረስ ጠንቒ ረኽሲ ወይ ነድሪ ናይ ሓናት እዮም።እንሓንሳብ ግን ባክቴርያ ጠንቂ ረኽሲ ሓናት ክኾኑ ይኽእሉ።እዘን ጽቅታት ሓናት ክፋል ናይ ስርዓተ ምክልኻል ኣካላትና ኮይነን ብኣፍና ንዝኣትዉ ታህዋስያን ዝከላኸላ እየን።ሓናት ክብብ ዝበላ 2ተ ጽቅታት ኮይነን ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል ጎሮሮና ይርከባ።

ምልክታት ወይ ጥርዓናት ረኽሲ ሓናት
– ቁስሊ ጎሮሮ
– ቃንዛ ኣብ እዋን መግቢ እንውሕጠሉ
– ረስኒ
– ሕበጥን ምንዳርን ሓናት ምስ ጻዕዳ ነጠብጣብ
– ቃንዛን ሕበጥን ኣብ ክሳድና ዝርከቡ ጽቅታት።
– ሓፈሻዊ ናይ ሕማም ስምዒታትን

ካልኦት ምልክታት ምስ ረኽሲ ሓናት ክመጹ ዝኽእሉ ድማ
፡ምጽዕዳው ምልሓስ ፡ሕማቕ ሽታ ዘለዎ ትንፋስ ምሽታት፡ድምጽና ምቅያር ከምኡውን ጸገማት ምኽፋት ኣፍናን።
ሕዱር ወይ ብተደጋጋሚ ንዝመጽእ ረኽሲ ሓናት ጸጸር ናይ ሓናት ከስዕብ ይኽእል።

ሕልኽላኻት ረኽሲ ሓናት

ምስ ረኽስን ምንዳርን ሓናት ዝመጹ ዝተፈላለዩ ሕልኽላኻት ኣለዉ።ንኣብነት፡ናይ ምስትንፋስ ጸገማት፡ምእካብ ሙግሊ(ምምሽማሽ) ኣብ ከባቢ ጽቅታት ሓናት ወይ ድማ ምዝርጋሕ ረኽሲ ኣብ ከባቢ ጽቕታት ሓናት ፡እንሓንሳብ ድማ ኣብ ካልእ ክፋል ኣካላት ።ንኣብነት ረኽሲ ማእከላይ ክፋል ውሽጢ እዝንና

ፍወሳ ረኽሲ ሓናት
ፍወሳ ረኽሲ ናይ ሓናት ብሰለስተ መንገድታት ወይ ኣገባባት ክትግበር ይክኣል።ንምጥቃሶም ድማ
። ባዕላዊ ናይ ምንክብኻብ ምኽሪ ፡ጸረረኽሳትን መጥባሕትን እዮም
(1) ብቐዳምነት ምኽሪ ባዕላዊ ምንክብኻብ ልዑል ዝኾነ ጥቅሚ ኣለዎ። እንተድኣ ጠንቂ መበገሲ ረኽሲ ሓናት ፡ቫይረስ ኮይኑ ወይውን ዝኾነ ተደራቢ ረኽሲ ባክቴሪያ እንተዘይሃልዩ፡ ረኽሲ ሓናት ብናይ ጸረረኽሳት መድሃኒት ክፍወስ ኣይክእልን።መብዛሕቱ ግዜ ጠንቂ ረኽሲ ሓናት ቫይረስ ምስዝኸውን ኣብ ውሽጢ 7 ክሳብ 10 መዓልታት ይሓዊ።
ምኽሪ ባዕላዊ ክንክን እዞም ዝስዕቡ ምኽርታት የጠቓልል
– እኹል ዝኾነ ዕረፍቲ ምውሳድ
– እኹል ዝኾነ ዝሑል ማይ ምስታይ
– ኣፍና ብማይን ጨውን ጎራዕራዕ ምባል ወይ ምጉጽጓጽ
– ብኸም ኣልኮል ወይ ሽጋራ ንዝመጹ ቁጥዔ ናይ ጎሮሮ ምክልኻል።
– ናይ ቃንዛ መድሃኒት ብምውሳድ ቃንዛን ረስኒን ምውጋድ
(2) እንተድኣ ጠንቂ መበገሲ ረኽሲ ሓናት ባክቴሪያ ኮይኑ ሓኪምና ማለት ሃውዝኣርትስ ጸረረኽሳት ክእዝዘልና ይኽእል። ከም ኣሞክስሊን ድኣመሰሉ መድሃኒት
(3) ሳልሳይ ናይ ፍወሳ ኣማራጺ ድማ መጥባሕቲ እዩ።ኣብዚ ናይ መጥባሕቲ ኣገባብ ጽቂ ናይ ሓናት ብከፊላዊ ወይ ሙሉእ ብሙሉእ ብመጥባሕቲ ይእለ።መብዛሕቱ ግዜ ሓደ ግዜ ወይ ገለ እዋናት ረኽሲ ሓናት ምስዘጋጥመና ንመጥባሕቲ ክንገብር ጠንቂ ክኾኑ ኣይክእሉንዮም።ናይ መጥባሕቲ ውሳነ ንክኢላ ሓኪም ንግደፎ።

ምንጪ: Eritreeërs Gezond


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com