Sunday , May 19 2024
An ambulance stands next to a transport plane in Ramstein-Miesenbach, Germany, Friday, Aug. 2021. (Uwe Anspach/dpa via AP) BEPH102

ሓንቲ ኣፍጋኒስታናዊት: ኣብ ውሽጢ ነፋሪት: ሕማም ሕርሲ ተታሒዛ

ሓንቲ ኣፍጋኒስታናዊት ጓል ኣንስተይቲ: ካብታ ጣሊባን እተቖጻጸራ ኣፍጋኒስታን ናብ ጀርመን እናተጓዓዘት: ኣብ እዋን በረራ ሕማም ሕርሲ ከም እተታሕዘት ተፈሊጡ።

 

እታ ነፋሪት ኣብ ጀርመን ምስ ዓለበት: ሓካይም ናብታ ወተሃደራዊት ነፋሪት ብምቅልጣፍ: ኣብ ሓይሊ ኣየር ራምስቴን ከም ዘሕረስዋ ጸብጻብ CNN ኣመልኪቱ። ኣደን ጓልን ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ጥዕና ምህላወን እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

 

እዛ ኣፍጋኒስታናዊት አደ: ሕማም ሕርሲ ምስ ተታሕዘት ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ንዝነበረ ኲነታት ኣየር ክመሓየሽ ብምባል ኮማንደር በረራ ትሕት ኢሎም ክበሩ ኣዚዙ። በዚ ድማ ህይወት እታ ሰበይቲ ክድሕን ክኢሉ’ሎ” ክብል ማእከላይ ምቊጽጻር ትራፊክ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ኣብ ዝለኣኾ ትዊተር ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com