Monday , May 20 2024
Foto Bertil Ericson / TT / kod 10000

ሓንቲ ክኢላ: ፊናልንድን ሽወደንን ዘቕርባኦ ሕቶ ብቕልጡፍ ተቐባልነት ክረክብ እዩ።

ሽወደን ሕቶ ኣባልነት ኔቶ ኣቕሪባ፡ ከምኡ’ውን ፊንላንድ ብቐረባ ተመሳሳሊ ሕቶ ንምቕራብ ክትስዕባ እያ፡ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን እዘን ሃገራት ተቐባልነት ንክረኽባ ብዙሕ ክጽበያ ከም ዘይኮና ይግለጽ ኣሎ። ነዚ ዝበለት ኣብ ቆንስል ኣትላንቲክ ዳይረክተር ሰሜን ኣውሮጳ ኣና ቬስላንደር እያ። ንሳ “እዘን ክልተ ሃገራት ዋላ ኣባላት ኣይንበራ፡ ብብዙሕ መዳያት ምስ ኔቶ ዝሰማምዓ እየን ኔረን” ክትብል ኣመልኪታ። ሽወደን ምስዚ ወተሃደራዊ ሽርክነት ጥቡቕ ዝምድና ከም ዝጸንሓ ዌስላንደር ወሲኻ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com