Friday , May 17 2024

ሓንቲ ዓለም፣ ሃገራውን ሃይማኖታውን መንነት

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ሓደ ህጻን ውልድ ምስ በለ፡ መን እየ ኣነ ብምባል ንነብሱ ኣይሓታን ወይ ንኺሓትት ብምባል ኣይሓስብን እዩ። ዘረባ ዘይክእል ወይ ኪሓስብ ዘይክእል ኮይኑ ዘይኮነስ፡ ውኖኡ (consciousness) ገና ስለ ዘይማዕበለ እዩ። ግን ብባየሎጂካዊ መገዲ ኪውሰድ ከሎ፡ ሓደ ህጻን ፍሉይ ፍጡር እዩ፡ ንኣኡ ዚመስል ከኣ የሎን። ብኹሉንትናኡ እንኮ ፍጡር እዩ። ስለዝስ ፈትዩ ጸሊኡ ኣቐዲሙ መንነቱ ኣረጋጊጹ ማለት እዩ።

ኣብ ዩኒቨርስ እንተ ተመልከትና፡ ፈጺሙ ዚመሳሰል ነገር የልቦን። ክልተ ኤለክትሮን እኳ ናይ ነፍሰወከፈን እተፈለለየ ባህርይ ኣለወን ኢዩ ዚብሃል።

ንህጻን ስም ከተውጽኣሉ ከሎኻ፡ ካብ ካልእ ንኽትፈልዮ ብማለት እዩ። ኣቐዲሙ ግን ባዕሉ ሒዙዎ ዝመጸ መፍለዪታት ኣለዎ፡ ንኣብነት ጾታኡ፡ ቅርጽታት ኣካላቱ፡ ሕብሪ ቆርበቱ፡ ገለ ብውርሻ ሒዙዎ ዝመጸ ባህርይ፡ ከም ስቕ ምባል፡ በኻዪ ምዃን፡ ወዘተ።

ህጻን ምስ ተወልደ፡ ንገዛእ ርእሱ ካብ ከባቢኡ (ካብ ዓራቱ፡ ካብ ኣደኡ፡ ካብቲ ጠቕሊሉዎ ዘሎ ዓለባ) ፈልዩ ኣይርእያን እዩ። ውኖኡ እናዓበየ ምስ ከደ እዩ ንነብሱ ካብ ካልእ እናፈላለያ ዚኸይድ። ብድሕርዚ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ውሽጣውን ደጋውን እንታይነቱ እናተነጸረን እናደልደለን ይኸይድ።

እቲ መጀመርታ ዚምከሮ መንነት ግን እቲ ስድራቤታዊ መንነት እዩ። ናይታ ስድራቤት ኣባል ብምዃኑ፡ ኩሉ እቲ ኣብታ ስድራቤት ዚብሃልን ዚእመንን ዚሕሰብን ዚግበርን ኣብ ኣእምሮኡ ብምኽዛን ከም ናቱ ገይሩ ይወስዶሞ ምስኡ ድማ ይሕወስ፡ በዚ ድማ ይምራሕን ይሓስብን ንነብሱ ይመዝናን ንኻልኦት ይመዝንን።

ሓደሓደ ግዜ ነቲ ዚሰምዖን ዚርእዮን ዚምከሮን ነገራት፡ እናረዓሞ፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ እናነጸጎ እውን ይኸይድ እዩ። ይኹንምበር፡ እዚ ኮይኑ እቲ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ንነዊሕ እዋን ንመንነቱ ዚጸልዎስ እቲ ስድራቤቱ እዩ። ብድሕር’ዚ ናይ ከባቢኡ ጽልዋ ነቲ መንነቱ እናወሰኸሉን እናጸረቦን ይኸይድ። ከምዚ እናበለ እቲ ባዕላውን ማሕበራውን መንነቱ እናተለወጠ፡ ንሓንሳእ እናሰፍሐ ንሓንሳእ ድማ እናጸበበ ይቕጽል።

መንነት እናዓበየን እናሰፍሐን እናጸበበን ዚኸይድ ውኖ ወይ ናይ ኣእምሮ ቅኒት እዩ። ሰብ ኣብዛ ዓለም ምስ መጸ እዩ መንነት ዚፈጥር። ቅድሚ ምውላዱን ድሕሪ ሞቱን ግን መንነት የብሉን፣ ቅድሚ ምውላዱ ኣብቲ ዩኒቨርስ ነይሩ፡ ምስ ሞተ ድማ ምስቲ ዩኒቨርስ ሓደ ብምዃን ይቕህም። ወድሰብ ኣብዛ ኣብ ዓለም ብልጭ ኢሉ ጥፍእ ዚብለላ ናይ 70-80 ዓመታት ግዜ ግን፡ መንነት ከጥሪ ግድን እዩ፥ ባዕላዊ፡ ስድራቤታዊ፡ ቀቢላዊ፡ ዞባዊ፡ ጉጅለኣዊ (ሃይማኖታዊ፡ እምነታዊ፡ ርእዮተዓለማዊ)፡ ሃገራዊ፡ ኣህጉራዊ።

ኣብ ዓለምና እተፈላለዩ ናይ መንነት ገጻት ኣለዉ፡ ግን እቲ ዝበርትዐ መንነት እቲ ኣብ እምነት እተሰረተ እዩ ክንብል ንኽእል። ቀደም ዘመን ሰባት ብውሑድ ጉጅለ ኪነብሩ ከለዉ፡ እቲ ከም መግለጺ መንነቶም ዚወስዱዎ ዝነበሩ ውጽኢት ንጥፈታቶም፡ ብመሰረቱ ኣብ ባህሊ እተመርኮሰ እዩ ነይሩ። እቲ ባህሎም እዩ ዚኣስሮምን ካብ ካልኦት ጉጅለታት ድማ ዚፈልዮምን ዝነበረ። ኣብዚ ድማ ቋንቋን እምነትን ዓቢ ግደ ነይሩዎ።

እምነት ወይ ሃይማኖት ናይ ወድሰብ ፈላሚ ናይ ኣእምሮ ውጽኢት ብምዃኑ፡ ብዝኾነ ዓይነት መገዲ ካብ ኣእምሮ ሰብ ኪድምሰስ ኣይክእልን እዩ። ሃይማኖት ናይቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ኩነታት እንኮ መግለጺ ብምዃኑ፡ ወድሰብ ድማ ነዛ ዓለም ከም መሰጋገሪት ወይ ከም ትራንዚት ገይሩ ስለ ዚወስዳ፡ ኣብታ ካልአይቲ ዓለም ንዚህሉዎ ተራን ቦታን መዓርግን ደረጃን ቀሊል ገይሩ ኣይወስዶን እዩ። በዝን ክንድዝን ድማ፡ ነቶም ናይታ ካልአይቲ ዓለም ወነንቲ ወይ ገበርትን ሓደግትን ኢሉ ኣብ ኣእምሮኡ ዘቐመጦም ኣማልኽቲ ወይ መናፍስቲ፡ ኪልምኖምን ከቃባጥሮሎምን፡ ኪሰግደሎም ኪነብር ይግደድ።

እምበኣር ሃይማኖት ወይ እምነት ክሳዕ ክንድዚ ሓያል ብምዃኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት፡ ወዲሰብ ንሃገሩን ንሃይማኖቱን ዳርጋ ፈልዩ ንምርኣይ ይጽግሞ ከም ዝነበረ ጸሓፍቲ ታሪኽ ይነግሩና።

ኩሉ ህዝቢ ወይ ጉጅለ ወይ ቀቢላ ነናቱ ኣምላኽ ነይሩዎ። ነዚ ኣምላኽዚ ድማ ብዓረን ብእምነበረድን ብኣስራዝን ብእተሰርሑ ተምሳላትን ምስልታትን ብምቕራብ፡ ከምልኾምን ኪልምኖምን ኪሰግደሎምን ግዜኡ ኣሕሊፉዎ እዩ። ኣብዚ ኩነትእዚ፡ ሓደ ካልእ ህዝቢ መጺኡ ነቲ ካልእ ህዝቢ ተዋጊኡ ምስ ዚስዕሮ፡ ነቲ ናይቲ እተሳዕረ ህዝቢ ጣኦት (ምስሊ ኣምላኽ) ደርብዩ ነቲ ናቱ ይተኽሎ ነበረ። ከምዚ ብምግባር ድማ፡ ነቲ ሃይማኖቱ ኣብቲ እተሳዕረ ህዝቢ የሕልፎን የስርጾን ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ዝሰዓረ ይኹን እቲ እተሳዕረ ህዝቢ፡ ነታ ሃገር ካብ ሃይማኖት ፈልዩ ንኺርእያ የጸግሞ ነበረ።

ሃገርን ሃይማኖትን እምበኣር ብጥንቲ ብዙሕ ፍልልይ ኣይነበሮምን ኪብሃል ይከኣል። ሃገርካ፥ ናይዛ ዓለም ቤትካ ክትከውን ከላ፡ ሃይማኖትካ ድማ ናይታ እትመጽእ ዓለም ቤትካ እያ። ከምኡ ኢልካ ስለ እትሓስብ፡ ምስቶም ከም ናትካ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ዝምድናን ምትእስሳርን ትፈጥር፡ ከመይሲ ብመንፈሳዊ ኣተሓሳስባኻ ደቂ ዓድኻ እዮም።

ኣብዚ ግን ሓደ ጸገም ኣሎ፥ ሃገር ጀዮግራፍያዊ ደረት ኪህሉዎ ከሎ፡ ሃይማኖት ግን ጀዮግራፍያዊ ደረት የብሉን። ናይ እምነትን ናይቲ ዘይረአ ነገራትን ውጽኢት ብምዃኑ፡ ዶብ ወይ ደረት ኪህሉዎ ኣይክእልን። ስለዚ፡ እዚ ኩነት እዚ ኣብ ኣእምሮ ሰብ ጸገማት ወይ ናይ ኣፍልጦ ዘይምቅድዳው (cognitive dissonance) ኪፈጥር ይኽእል እዩ።

ሓደ ሰብ መንነቱ ኣብ ሃገሩ ጥራይ ዚስርቶ ምስ ዚኸውን፡ ነቶም ኣብቲ ድሩት ጀዮግራፍያዊ ቦታ ዚነብሩ ጥራይ እዩ ከም ደቂዓዱ ዚወስዶም፣ ነቲ ድሩት ቦታን ነቲ ኣብኡ ዝተኻየደ ቃልስን፡ ውግእን፡ ንግድን፡ ምትሕውዋስን፡ ምርኻብን፡ ነቲ ኣብኡ ዝሓለፈ ታሪኽን ያታን ኣብ ኣእምሮኡ ብምቕራጽ ምስኡ ብምጽምባርን ኣብቲ ጕዕዞ ብምስታፍን ከኣዩ ሃገራዊ መንነቱ ዘረጋግጽ።

እዚ ሰብ እዚ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሃገራዊ መንነቱ፡ ሃይማኖታዊ መንነት ኪሕውሰሉ ከሎ፡ ብኣእምሮኡን ብመንፈሱን ነቲ ናይታ ሃገር ጀዮግራፍያውን ማሕበራውን ደረት ወይ ዶብ ይጥሕሶ ኣሎ ማለት እዩ፡ ከመይሲ እቲ ንሱ ዚኽተሎ ሃይማኖት ካብቲ ሃገረይ ዚብሎ ክልል ሓሊፉ ኣብ ካልእ ቦታታት ስለ ዚርከብ።

ይኹንምበር፡ እቲ ከምዚ ዚገብር ሰብ፡ ማለት ክልተ መንነት ዚስምዖ ዜጋ፡ ተጋግዩ ክንብሎ ኣይንኽእልን፡ ምኽንያቱ ድማ፡ ሃይማኖት ብመሰረቱ ንሓደ ሃገር ተባሂሉ ዘይኮነስ ንኹሉ ወድሰብ ተባሂሉ ዝመጸ ወይ እተፈጥረ ርእዮተዓለም (ideology) ብምዃኑ፡ እዚ ሰብ እዚ ንሃይማኖት ከም ዓውለማውን ጠርናፍን መንፈሳዊ ሓይሊ ገይሩ እዩ ዚወስዶ። እዚ ድማ ምስ መንፈስ ኩሉ ዓይነት ሃይማኖትን ርእዮተዓለምን ዚሳነ እምበር ዚቃረንሲ ኣይኮነን።

ንኣብነት ሩስያ ኣብ ግዜ ኮሙኒስት ርእዮተዓለም ከመይ ከም ዝነበረት ንርአ። ሩስያ ከም ሃገር መጠን፡ ማለት ምስቲ ጀዮግራፍያዊ ዶባታ፡ እቲ ህዝባ ሃገራዊ መንነት ወይ ሩስያዊ መንነት ነይሩዎ እዩ። ይኹንምበር፡ እቲ ሩስያ ከም ሃገር ትኽተሎ ዝነበረት ኮሙኒስታዊ ርእዮተዓለም፡ ደረት ወይ ዶብ ኣይነበሮን፡ ኣብ ኩሉ ዓለም ይካየድ ነይሩ እዩ። ኣብዚ ኩነታት እዚ እቲ ሩስያዊ ዜጋ፡ ክልተ መንነት ነይሩዎ ማለት እዩ፥ ሩስያውን ኮሙኒስታውን መንነት። ማለት፡ ሃገራውን ኮሙኒስታውን (ርእዮተዓለማውን) መንነት። ግን እቲ ኮሙኒስታዊ መንነቱ ነቲ ሩስያዊ መንነቱ ኣይበረዞን። ኪብርዞ ዘይከኣለ ምኽንያት ድማ ንኽልቲኡ መንነት ፈላሊዩ ክርእይ ብምኽኣሉ እዩ። እዚ ድማ ንቕሓት ይሓትት።

ከም ካልእ ኣብነት እውን ንኤውሮጳዊ ሕብረት ክንወስድ ንኽእል። ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደ ሆላንዳዊ ወይ ኢጣልያዊ፡ ክልተ መንነት ኪህሉዎ ይግደድ ኣሎ፥ ሃገራዊ መንነትን ኤውሮጳዊ መንነትን። እዚ ኩነት’ዚ ኣብቲ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ህይወቱን ናይ ሃገሩ ህልውናን ጸገም ክሳዕ ዘይፈጠረ፡ ኪጎዓዘሉ ይኽእል እዩ።

ንርእዮተዓለማዊ ወይ ሃይማኖታዊ መንነት ካብ ሃገራዊ መንነት ፈሊኻ ንምርኣይ፡ ወይ ድማ ክልቲኡ ኣብ ሓደ ኣእምሮ ብምቕማጥ ጸገም ንኸይፈጥር ዘገልግሉ ክልተ መገድታት ኣለዉ። ቀዳማይ፡ ንኽልቲኡ ፈላሊኻ ናይ ምርኣይ ድሌትን ክእለትን ፍቓድን ምህላው እዩ። ነዚ ንምግባር ድማ ናይቲ ርእዮተዓለም እኹል ትምህርትን ርድኢትን ግንዛበን ኪህልወካ፡ ንቕሓትካ ድማ ክብ ዝበለ ኪኸውን ይግባእ። እቲ ካልኣይ መፍትሔ ድማ ኣብቲ ሃገር ናይ ደሞክራስን ማዕርነትን ሰብኣዊ መሰላትን መትከላት ምትእትታው እዩ።

ይኹንምበር፡ እቲ ቀዳማይ መብዛሕትኡ ግዜ ኪኸብድ ስለ ዚኽእል፡ እቲ ሓደ እንኮ ኣማራጺ፡ ኣብታ ሃገር ነቲ ናይ ደሞክራስን ማዕርነትን ሰብኣዊ መሰላትን መትከላት ምትእታውን ብኣኡ ድማ ምምራሕን እዩ።

ኣብ ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰለን ዘለዎ ሃገር፡ ሓደ ሰብ ሃገራውን ሃይማኖታውን መንነት ሒዙ ንኺጎዓዝ ጸገም ኣይፍጠርን፡ ከመይሲ ኣብቲ መሰላት ሰባት ዚኽበረሉን ማዕርነትን ፍትሕን ዚነግሰሉ ሃገር፡ ወድሰብ ዝኾነ ዓይነት መንነት እንተለዎ ኣብቲ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበውን ጕዕዞ ሃገር፡ ዚፈጥሮ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኪህሉ ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ። ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ምስ ዚህሉ ድማ ነታ ሃገርን ነቲ ሃይማኖትን ፈሊኻ ንምርኣይ ኣይጽግምን።

ኣብ ዓለምና ኣብ ሃይማኖት እተመስረተ ሃገራውነት ሒዘን ዝመጻ ብዙሓት ሃገራት ኣለዋ፡ ግን እቲ ኣካይዳአን ኣብ ፍትሕን ማዕርነት ሰብኣዊ መሰላትን እተመርኮሰ ብምዃኑ፡ ምንም ዓይነት ጸገማት ኣይገጥመንን። ኣብ ዓለምና ኣብ ሃይማኖት እተመሰረተት ሃገር እንተላ ከም እስራኤል እትመስል ሃገር የላን። ብጽዮናውያንን ኣኽረርቲ ናይ ሃይማኖት ተደናገጽቲ እተመስረተት ብምዃና ኣብ መፈለምታ ጕዕዞኣ፡ ነቲ ሃገራዊ መንነታ ካብቲ ሃይማኖታዊ መንነታ ፈልያ ንክትርእዮ የጸግማ ነይሩ፣ ይኹንምበር፡ ብደሞክራስያውን ብኣምራት መትከላትን ማዕርነትን፡ ብመገዲ ሰብኣዊ መሰላት ስለ እትምራሕ፡ ኣብታ ሃገር ሰለስተ ዓበይቲ ሃይማኖታት ብስኒት ይነብራ ኣለዋ።

እስከ ንሽወደን ከኣ ንርኣይ። ኣብ ባንዴራ ሽወደን ምስ እንምልከት፡ ናይ መስቀል ማለት ናይ ክርስትና ኣርማ ኣሎ። እዚ ድማ እታ ሃገር ክርስትያናዊ መሰረት ከም ዝነበራን ከም ዘለዋን ይገልጽ። ግን ሽወደን ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዝለዓለ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ዘንጸባርቓ ሃገራት ብምዃና፡ ሓደ ሽወደናዊ ሃገራውን ሃይማኖታውን መንነት ሒዙ እንተ ተጓዕዘ ምንም ጸገም ዘምጽእ ኣይኮነን።

ንምዝኽኻር ዚኣክል፡ ግሪኽ፡ ፊንላንድ፡ ደንማርክ፡ ኖርወይ፡ ስዊዘርላንድ፡ ወዘተ፡ ኣብቲ ባንዴራአን መስቀል ኣሎ። ኣብ ባንዴራታት ቱርክን ፓኪስታንን ድማ ናይ እስልምና ኣርማ ኣሎ። እዘን እተጠቕሳ ሃገራት፡ ነቲ ሃይማኖታዊ መንነተን እውን ይጸቕጣሉ እየን፡ ግን ከምዚ ብምግባረን ኣብቲ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ጕዕዞአን ርኡይ ወይ ኣሰካፊ ኩነታት ኣይተፈጥረን። እዚ ድማ ናይ ንቕሓት፡ ወይ ናይ ዲፕሎማሲ ጽልዋታት ወይ ስክፍታታት ውጽኢት ኪኸውን ይኽእል።

እቲ ጸገም ዚመጽእ፡ ኣብቲ ሃገራውን ሃይማኖታውን መንነት ጎድኒ-ጎድኒ ኮይኑ ዚረኣየሉ ሃገር፡ ናይ ደሞክራሲ ኣካይዳ ፈጺሙ ምስ ዘይህሉ ጥራይ እዩ።

ሓደ ሰብ፡ እቲ ተግባራቱን ንጥፈታቱን ምስ ደሞክራስን ማዕርነትን ሰብኣዊ መሰላትን ክሳዕ ዘይተቓረነ፡ ዝኾነ ዓይነት መንነት ከኻዕብት መሰሉ እዩ።

ብፍላይ ድማ፡ ነቲ ንዘመናትን ንወለዶታት ኣብ ህይወቱን ባህሉን ስነልቦናኡን ኣተሓሳስባኡን፡ ኣብ ታሪኹን ያታኡን ዝሰረጸ፡ ብደም ኣሽሓት ንጹሃን ሰማእታት እተሃንጸ፡ ንብዙሕ ዘመናት ኣብ ግዜ መከራን ስቓይን ደስታን ራህዋን መሪሑዎ ዝመጸ እምነት ወይ ሃይማኖት ኪኾርዓሉን ከም መግለጺ መንነቱ ገይሩ ኪወስዶ፡ መሰልን፡ ከምኡውን ታሪኻውን ባህላውን ግዴታ ኣለዎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com