Tuesday , May 14 2024
Foto Fredrik Sandberg / TT kood 10080

ሓደስቲ መምርሕታት ውሸባ፡ ክመሓላለፉ ምዃኖም ተፈሊጡ

በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን (Health Agency of Sweden-FHM) ኣብ ሓደ ስድራ ቤት ብኮቪድ ዝተለኽፈ ሕሙም ምስ ዝርከብ ብዛዕባ  ዝነበሩ ሕጊታት ናይ ውሸባ ኣመልኪቱ እንደገና ይፍትሾም ከምዘሎ ሓቢሩ። እዞም ሕጂ ክትግበሩ ተሓሲቦም ዘለው እማመታት – ንዝተወሰኑ ኣገደስቲ ኣካላት ናይቲ ሕብረተሰብ ብዝምልከት፡ ዝሓጸረ ናይ ውሸባ መዓልታት ወይ ድማ መሊእካ ነቲ ውሸባ ምግዳፍ ዝብሉ ከምዝኾነ ተተ ገሊጹ።
ትሕዝቶ ናይዚ እማመ ኣብዚ ሰሙን ዕላዊ ክግበር ትጽቢት ኣሎ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ንብርክት ዝበሉ ሽወደናውያን ዘጋጥሞም ዘሎ፡ ዋላ’ኳ ናይ መልከፍቲ ምልክታት ኣየርእዩ እምበር፡ ሓደ ኣባል ናይቲ ስድራ እንድሕር ሓሚሙ፡ ብኹላ እታ ስድራ እያ ትውሸብ ዘላ። እዚ ብምዃኑ ድማ፡ ካብ ብዙሓት ናይ ስራሕ ቦታታት ዝመጹ ዘለው ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ፡ ዓበይቲ ስራሓት ይቋረጹ ከምዘለውን ተመሃሮ ድማ ናብ ቤት ትምህርቶም ክኸዱ ከምዘይከኣሉን እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
እዞም ሕጂ ዘለው ናይ ምውሻብ ሕግታት ንምቕያር ብዝምልከት ኣብ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ብርክት ዝበሉ ዘተ ከምዝተኻየዱ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሓደ ሰብ ብኮቪድ ከምዝተታሓዘ እንተተፈሊጡ፡ ኩሎም ኣባላት ናይታ ገዛ ን7 መዓልታት ክውሸቡ ይግደዱ እዮም።
ዝተፈላለዩ ዋዕላታትን ኣኼባታትን ምስ ሽወደናዊ ትካል ሲቪል ኮንቲንጀንሲስ (Swedish Civil Contingencies Agency -MSB)፣ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕና፣ ሓኻይም ናይ  ተላባዕቲ ሕማማት፣ ናይ ዞባ ምምሕዳር ቦርድታት፣ ትካል ማሕበራዊ ኢንሹራንስ ሽወደንን ካልኦት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ተወሳኺ ሓበሬታ ክህቡ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ምስ ዝእመኑ ታካላትን ይካየዱ ከምዘለው ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ከም ጸብጻብ ናይ ተተ እንተኾይኑ፡ እቶም ንዘተ ካብ ዝቐረቡ ሓሳባት ገሊኦም፡ ነቶም ንባዕሎም ዝኾነ ይኹን ምልክት ዘይብሎም ብዝምልከት እቲ ናይ ውሸባ ግዜ ካብ 7 ናብ 5 ማዓልታት ንኽወርድ ምግባር ወይ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ክተርፍ ዝብሉ ሓሳባት ከምዝርከቡዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ሓደ ካሊእ ሓሳብ ድማ፡ ብመሰረት እቲ MSB ተባሂሉ ዝፍለጥ ትካል ማሕበራዊ ኣገዳስነቶም ዕዙዝ ተባሂሎም ንዝተፈለዩ ጉጅለታት ብዝምልከት ናይ ውሸባ መስርሕ ሙሉእ ብሙሉእ ክተርፍ ምግባር ዝብል ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።
እቲ ትርጉም ናይቲ ኻልኣይ እማመ ዝሕብሮ ነገር እንተሎ፡ ብሰንኪ ውሸባ ናይ ሓደ ሓደ ዕዙዝ ተራ ዘለዎም ማሕበራዊ ንጥፈታት ካብ ስራሕ ዝቦክር ዓቢ ቁጽሪ ዘለዎ ሓይሊ  ዝተዓናቐፍ ስራሕ ኣይክህሉን ማለት ከምዝኾነ ምርዳእ ይከኣል።
ይኹን እምበር እቲ ጉዳይ ዝተሓላለኸ እዩ። ከም ሓደ ጸብጻብ ምስዚ ጉዳይ ናይ ቀረባ ርክብ ዘለዎ ክኢላ እንተኾይኑ፡ “እቲ ብዙሕ ሕማቕ ዘይኮነ” ግና ዘዋጽእን ዝሐሸን መፍትሒ ፈቲሽካ ምርካብ ኣገዳሲ ከምዝኾነ እዩ ዝሕብር። በቲ ሓደ ወገን ሕብረተሰብ ‘ስርሑ ደው ከየብል’ ምግባር ኣገዳሲ ኮይኑ፡ በቲ ኻሊእ ድማ ንዓበይቲ፣ ነቶም ድኹማትን ነቲ መስርሕ ሓለዋ ጥዕናን ክብክል ዝኽእል ካብ ቁፅጽር ወጻኢ ዝኾነ ምልዓብ ንኸየጋጥም ውሕሉል ጥንቃቐ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ።
ምይይጣት ክሳብ ሕጂ ዝቐጸሉ ኮይኖም ግና ብዛዕባ እቶም ሓደሽቲ ለውጥታት ብዝምልከት ዝግበሩ ውሳኔታት ኣብዚ ሰሙን ክግለጹ ምዃኖም ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com