Saturday , May 18 2024
70-80 passengers had to turn around at the border control at the Öresund Bridge on Tuesday morning. Foto: Anders Bjurö / TT / Kod 11830

ሓደሽቲ ናይ መርመራ ሮቓሒታት፡ ንገያሾ ካብ መንገዶም ይመልሶም

ናብ ሽወደን ንምእታው ክማልኡ ዝግበኦም ናይ ኮቪድ መርመራ ሮቓሒታት ብግቡእ ብዘይምትግባሮም፡ ብዙሓት ገያሾ፡ ካብ ኦሬሱንድ ብሪጅ (Öresund Bridge)፡ ናብ ዝመጹሉ ቦታ ንኽምለሱ ከምዝተገደዱ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ብዛዕባ እቶም ሓደሽቲ ሮቓሒታት ዘይፈለጡ ገያሾ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ እንደገና ክምለሱ ከምዝተገደዱ ተሓቢሩ።
“ሎሚ ሰሉስ መዓልቲ፡ ካብ ትማሊ ዝበዝሕ ቁጽሪ ዘለዎም ገያሾ ክንመልስ ተገዲድና ኢና። ካብ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ጥራሕ ካብ 70 ክሳብ 80 ዝኾኑ በጻሕቲ፡ ክምለሱ ተገይሮም እዮም” ክብል ኣብቲ ተጓዓዝቲ ክኣትዉ ከለው ቁጽጽር ዝግበረሉ፡ ኦሬሱንድ ብሪጅ፡ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ፡  ናይ ዶብ ሓላፊ ፖሊስ ዞባ ደቡብ፡ ማትስ በርግሬን፡ ምስ ማዕከን ዜና ተተ ኣብ ዘካየዶ ርክብ ሓቢሩ።
ሰኑይ ምሸት ኣብቲ ኦሬሱንድ ብሪጅ ዝነበሩ ሪጋታት ናይ ገያሾ ከም ዝብተኑ ተገይሮም ኮይኖም። እቲ ዝገደደ ናይ ንጉሆ ናይ ተጓዓዝቲ ብዝሒ ዝፈጥሮ ዕልቕልቕ፡ ፍትሕ ኢሉ እቲ ናይ ሰባት ፍሰት ድማ ህድእ ብዝበለ ምንቅስቓስ ተተኪኡ ኣሎ። ፖሊሳት ነተን መኻይን ውሽጠን ሓደ ብሓደ እዪም ዝፍትሽወን። ካብ ሕጂ ንንየው፡ ናይ ሽወደን ዜግነት ወይ ድማ ተቐማጦ ሽወደን ንዘይኮኑ ገያሾ ናይ መንቀሳቐሲ ፓስፖርትታት ጥራሕ ዘይኮኑ ዝሕተቱ፡ እንተነውሐ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ዝተገብረ ካብ ኮቪድ ናጻ ዝብል ናይ ወረቐር ምስክር’ውን ከቕርቡ ከምዝግደዱ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ናብ ሽወደን ንምእታው ክማልኡ ዝግብኦም ናይ መርመራ ሮቓሒታት ነቶም ክታበት ዝወሰዱ ሰባት’ውን ዝምልከት ኮይኑ፡ እቶም ነዞም ረቛሒቲታት ዘየማልኡ ተጓዓዝቲ ካብቲ ቁጽጽር ዝግበረሉ መእተዊ ዶብ፡ ብፖሊስ ተሰንዮም ክምለሱ ክግበሩ ክምዝኽእሉ ተገሊጹ።
ብባቡር ወይ ድማ ብኣውቶቡስ ዝማላለሱ ተመሃሮ ካብዞም ረቛሒታት ናጻ እኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ኩሉ እዋን ግና እቶም ክማልኡ ዝግብኦም ናይ ወረቐት ምስክራት ክህልዎም ግቡእ ከምዝኾነ ማትስ በርግሬን ኣታሓሳሲቡ’ሎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com