Sunday , May 19 2024

ሓደገኝነት ሕማም ኮቪድ-19 ብኣግኡ ዝሕብሩ ምልክታት ኣብ ደም ሕሙም ክረአዩ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ

ሕማም ኮቪድ-19 ናብ ሓደገኛ መድራኹ ከይበጽሐ ብኣግኡ ዝሕብሩ ምልክታት፡ ኣብ ደም ሕሙም ክረአዩ ከምዝኽእሉ ሓድሽ ሽወደናዊ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

ኣስታት 160 ብከቢድ ደረጃ፡ ሕማም ኮቪድ-19 ዝተጠቕዑ ሰባት፡ ቅምሶታት ደሞም ተወሲዱ ምስ ተመርመረ፡ ኣብ ደሞም፡ ልዑል መጠን ዘለዎም ፍሉያት ዓይነት ዋህዮታት ከምተረኽቡ ሽወደናዊ መጽናዕቲ ይሕብር። እዞም ዋህዮታት፡ ነቶም ኣብ ደም ንዝርከቡ፡ ዋህዮታት ኣንጉዕ ናይ ኣዕጽምቲ፡ ደቆስቲ ምዃኖም ይፍለጡ።

ኣብ ፈለማ እዋናት ሕማም ኮቪድ-19፡ ልዑል መጠን ብዝሒ ናይዞም ዋህዮታት ምርኣይ፡ ምስቲ ናብ ዝኸበደ ደረጃ ናይቲ ሕማም ምምዕባል ብቐጥታ ዝተሓሓዝ እዩ ክብሉ እቶም ተመራመርቲ  ይድምድሙ።

እዞም ደቖስቲ ዝኾኑ ዓይነት ዋህዮታት፡ ነቶም ናይ ምክልኻል ዋህዮታት ግቡእ ስርሖም ንኸይፍጽሙ  ዘደኗግዩ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com