Friday , May 17 2024
NYKÖPING 20210707 Vittra Kungshagen skolan i Nyköping brinner för fullt. Foto: Pontus Stenberg/TT kod 11787

ሓደጋ ባርዕ ኣብ ኒሾፒን

ሎሚ ሮቡዕ፡ ከባቢ ሰዓት 4 ወጋሕታ፡ ኣብ ኒሾፒን እትርከብ ቤት ትምህርቲ ቪትራ ኩንግስሃገን ሓደጋ ባርዕ ከምዘጋጠመ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ጠንቂ ባርዕ ናይዚ ኣብ 1200 ትርብዒት ሜትሮ ዝተዶከነ ኣብታ ቤት ትምህርቲ ዝርከብ ህንጻ፡ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተፈልጠን፡ ካብቲ ዝቃጸል ዝነበረ ህንጻ፡ ከቢድ መጠን ትኪ ይወጽእ’ኳ እንተነበረ፡ ናሕሲ ናይቲ ህንጻ ምስ ወደቐ ግን፡ እቲ መጠን ትኪ ከምዝወሓደ ሓላፊ ኣሃዱ ህጹጽ ረድኤት፡ ሄንሪክ ሊንድስትሩም ገሊጹ።

እቲ ህንጻ ምሉእ ብምሉእ ብሓዊ ከም ዝተሃሞኸን፡ እቶም ኣብቲ ባርዕ ናይ ምትፋእ መስርሕ ዝሳተፉ ዘለዉ ሓሙሽተ መደበራት መጥፋእቲ ሓውን ሓለፍቶምን ግን እቲ ባርዕ ናብ ዝተረፉ ህንጻታት ናይታ ቤት ትምህርቲ ንኸይልሕም ጻዕርታት የካይዱ ምህላዎም ወሃብ ቃል ኣሃዱ ህጹጽ ረድኤት፡ ኣንድርያስ ሊንደር፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com