Sunday , May 19 2024

ሓደ ሚእቲ ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ናብ ስፓኛዊት ሴውታ (Ceuta) ገጾም ይሕንብሱ

ሓደ ሚእቲ ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ካብ ሞሮኮ ተበጊሶም ናብ ስፓኛዊት ሴውታ እናሓንበሱ ክሰግሩ ኣብ ዝፍትንሉ ዝነበሩ እዋን፡ ብበዓል መዚ እቲ ከባቢ ድሕሪ ምድሓኖም፡ ክንክን ክግበረሎም ክኢሉ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

መብዛሕትኦም ዝሰግሩ ዝነበሩ፡ ብዕድመ ናእሽቱ ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ምንባሮም ወሃብ ቃል መንግስቲ ስፓኛ ገሊጹ። ገሊኦም መንሳፈፊ ካላማዳርያ ዝሓዙ ክኾኑ እንከለዉ ገሊኦም ድማ ናይ ፕላስቲክ ጀላቡ ዝሓዙ ምንባሮም እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ምልኣተ ባሕሪ ውሑድ ብምንባሩ ግን፡ ኣብ ገለ ቦታታት ብእግርኻ ክኽየድ ዝኽእል ኣጋጣሚታት ነይርዎ እዩ እቲ ጉዕዞ ክብል እቲ ወሃብ ቃል ወሲኹ ይገልጽ።

ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሚያዝያ ኣስታት ሚእቲ ዝኾኑ ስደተኛታት ካብ ሞሮኮ፡ ብ20 ክሳብ 30 ሰባት ዝሓቖፋ ጉጅለታት እናገበሩ ናብ ሴውታ ኣትዮም ከምዝነበሩን፡ መንግስቲ እስፓኛ ድማ ንመብዛሕትኦም ናብ ሞሮኮ ከምዝመለሶም ይዝከር።

ሴውታን መሊላን እተን ንኤውሮፓዊ ሕብረት ብመንገዲ መሬት ምስ ኣፍሪቃ ዘራኽባ እንኮ መንገድታት ምኻነን ይፍለጥ። ስደተኛታት፡ ገሊኦም ብምሕንባስ ክሰግሩ ክፍትኑ እንከለዉ፡ ገሊኦም ግን ነቲ ኣብ ዶብ ሞሮኮ ተዘርጊሑ ዘሎ ሓጹር ክሰግሩ ዝፍትኑ እዩም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com