Monday , May 20 2024
Credit: Pixabay

ሓደ ዳህሳስይ ኖርወይ ጥንታዊ ናውቲታት ወርቂ ረኺቡ።

ቤተ መዘክር ስነ ጥንቲ ዩኒቨርሲቲ ስታቫንገር ብዓርቢ ነቲ “ናይዚ ክፍለ ዘመን ወርቂ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ግምጃ ንምርኢት
ንምቕራብ በሩ ከፊቱ’ቶ። ኣብ ከባቢ 500 ዓመት ኣብ ኣገልግሎት ይውዕሉ ምንባሮም እተኣምነሎም ትሽዓተ ናይመብራህቲ
መንጠልጠሊታት፡ 10 ወርቃዊ ኣዕናቚን ሰለስተ ቀለቤትን ብሓደ ሰብ ተዳህሲሶም ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ። ኤርለንድ ቦር
ንኖርወጅያን ብሮድካስቲንግ (NRK) ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነቲ ሆቢ ንምዝንጋዕን ካብቦታ ናብ ቦታ ንምንቅስቓስን ኢሉ ዝጀመሮ
ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ኣብታ ካብ ስታቫንገር ንሰሜን ርሒቓ እትርከብ ደሴት ረነሶይ ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ ነዚ
ታሪኻዊ ናውቲታት ክረክብ ክኢሉ ዘሎ ።
ኩሎም ዜጋታት ኖርወይ ክገብርዎ ዝግበኦም ነገር ድማ ጌሩ፡፡ ሰራሕተኛታታ ነቲ ቦታ ንምውሓስ፡ ነቲ ወርቂ ንምሕብሓብን
እንተወሓደ ገለ ካብኡ ኣብቲ ድሮ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ዝኽፈት ዝነበረ ናይ ጽድያ ምርኢት ከም ዝካተት ንምግባር ተጓዪዮም። ቦረ ን

ወናኒ እቲ ወርቂ ዝተረኽበሉ መሬትን፥ ነዚ ተረኽቦታት ምኽንያት ብምዃኖም ብዳይረክቶሬት ባህላዊ ቅርስታት ኖርወይ ገለ
ክፍሊት ክግበረሎም ምዃኑ–ኖርወይ ኒውዝ ጸብጺባ’ላ።

 

Credit: Pixabay

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com