Saturday , May 18 2024

ሓድሽ ወፍሪ ድጎማ፡ ንንግዳውያን ትካላት ከተማ ማልመ

ምምሕዳር ከተማ ማልመ፡ ኣብ ጽላት ቱሪዝም ንዝነጥፋ ንግዳውያን ትካላት ዝውዕል፡ ሓድሽ ወፍሪ ድጎማ ከም ዝመደበ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዚ ሓድሽ ወፍሪ ድጎማ፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሕ ኮይኑ ክሳብ 23 ሚልዮን ክሮነ ዝግምገም እዩ።

ኣብ ልዕሊ’ዘን ኣብ ጽላት ቱርዚም ዝነጥፋ ንግዳውያን ትካላት ዝግበር ዘሎ ሓድሽ ወፍሪ ድጎማ፡ እዘን ትካላት፡ ኣብ ዝስዕብ ዓመታት ቀጻልነተን ንምውሓስ ተባሂሉ ዝተታሕዘ መደብ እዩ ክትብል ኣደ ወንበር ቦርድ ምምሕዳር ከተማ ማልመ፡ ካትሪን ኻንፈልድት ያንሜ (Katrin Stjernfeldt Jammeh) ገሊጻ።

ብተወሳኺ ድማ፡ እተን ኣብ ህንጻታት ምምሕዳር ከተማ ማልመ ዝተኻረያ ንግዳውያን ትካላት፡ ባህላዊ ንጥፈታት ዘካይዳ ትካላትን፡ ዝኸፍለኦ መጠን ክራይ ገዛ ክጎድለለን ምኻኑ ኣፍሊጣ። ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዘሎ እዋን ውን፡ ካብ ጋለሪታት ወጺአን ኣብ ደገ ዝሰርሓ እንዳ ሻሂታት ውን ኣረኣእያ ክግበረለን እዩ ክትብል ብምውሳኽ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com