Friday , May 17 2024

ሓድሽ ውሳነ ቤት ፍርዲ ንቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ ሰብ ኣካዳሚ የቃልሎ

Credit: Michael Walsh/Radio Sweden, Fredrik Sandberg/TT

ካብ 2021 ኣትሒዙ ኣብ ሽወደን መመልከቲ ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ ዘእተዉ ሰባት ብውሕዱ ን18 ኣዋርሕ ኣብ ሽወደን ብገንዘብ ገዛእ ርእሶም ክኽእሉ ምዃኖም መርትዖ ከቕርቡ ክሕተቱ ጸኒሖም ኣለዉ። እዚ ድማ ንተማሃሮ መዓርግ ዶክተርነት (ፒኤችዲን) ተመራመርቲ ፖስትዶክን ቀወምቲ ነበርቲ ክኾኑ ኣጸጋሚ ገይርዎ’ሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣብ ኣካዳሚያዊ ዕዮ ክንድኡ ዝኣክል ንውሓት ዘለዎ ውዕላት ሳሕቲ ጥራይ ስለዝፍጸሙ እዩ። እንተኾነ ግና ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ዝለዓለ ደረጃ ቤት ፍርዲ ስደተኛታት ሽወደን ዝወጸ ሓድሽ ውሳነ፡ ነቲ ናይ 18 ኣዋርሕ ውዕል ሕጊ ከም ዝጎድል ጌሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com