Saturday , May 18 2024
2012-12-23 Minkar på en minkfarm på Listerlandet i Blekinge Foto: Patric Söderström / SCANPIX / Kod 10760

ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ሕርሻ እንስሳ ሚንክ ተረኺቡ

ሳርስ ኮቪድ-2 ዝተባህለ ዓይነት ቫይረስ፡ ኣብቲ ኣብ ስካራ ዝርከብ ሕርሻ እንስሳ ሚንክ ከምዝተረኽበ GT ኣብ ዘቕረቦ ጽሑፍ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ ዓይነት ቫይረስ፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2020 ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረትን ዓለምን ክረአ ምጽንሑን ሕጂ ድማ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ሽወደን ከምዝተራእየ ተፈሊጡ። እዚ ዓይነት ቫይረስ ዘይከም ሓደስቲ ተቐየርቲ ጅር ቫይረስ፡ እቲ መሰረታዊ ዓይነት ሳርስ ኮቪድ-2 እዩ ክብል ጸብጻባት ኮሌጅ እንስሳ ሽወደን ይሕብሩ።

እዚ ቫይረስ፡ ካበይን ብኸመይን ናብዘን እንስሳታት ክመጽእ ከምዝኸኣለ ንጹር ዝኾነ ሓበሬታ የብልናን ክብል ኣብ ኮሌጅ እንስሳ ሽወደን፡ ኢፒዞቶሎጂስት ዝኾነ ካርል ስቶል ገሊጹ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ወቕቲ ቀውዒ ናይ ዓመተ 2020 ኣብ ልዕሊ ሕርሻ እንስሳ ሚንክ ዘጋጠመ ለበዳ ቫይረስ፡ ኣብ ልዕሊ ኩለን ሕርሻታት እንስሳ፡ ፍሉይ ቀይድታት ምቁጽጻር ለበዳ ተበይኑለን ከምዝነበረን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወቕቲ ክረምቲ ድማ፡ ግዴታዊ ቁጽጽር ክግበረለን ምጅማሩ ይፍለጥ።

ንጉዳይ ኣብ ስካራ ዘጋጠመ ለበዳ ሳርስ ኮቪድ-2 ብዝምልከት፡ ተወሳኺ መርመራታት ይካየዱ ከምዘለዉ፡ ኮሌጅ እንስሳ ሽወደን ኣብ ገጻት መርበብ ሓበሬትኡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com