Saturday , May 18 2024

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንውጥን ዕድጊ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ኣዋዲቕዎ

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ካብ ትካል ሰሩም፡ ህንዲ፡ ክገዝኦ ወጢንዎ ዝነበረ ፍርያት ኣስትራ ዘነካ፡ ክታበት ቫይረስ ኮሮና፡ ከም ዘዋደቖ ተገሊጹ።

ናይዚ ተግባር ምኽንያት፡ ጒዳይ ቀረብ ኮይኑ፡ ኣብ ክንዲ ኣስትራ ዘነካ፡ ናብ ዕዳጋ መድሃኒት ኣመሪካ ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን የቋምት ምህላዉ ተገሊጹ። ዘተኣማምን ቀረብ ክታበት ኣዝዩ የድልየና እዩ፥ ህንዲ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ናይ ሰደድ ሕጋጋት፡ ንነገራት ሓላሊኹ ኣሎ ክብል ሓላፊ ማእከል ምቊጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ፡ ጆን ንከንጋሶንግ፡ ገሊጹ’ሎ።

ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ኣብ ኣስትራ-ዘነካ ዝወሰዶ ውሳነ ምስ ጉዳይ ምርጋእ ደም ዝተሓሓዝ የብሉን ዝበለ እቲ ሓበሬታ፡ ትካል ሰሩም ህንዲ፡ ዓለምለኻዊ ኣከፋፋሊ ኣስትራዘነካ ምዃኑ ኣመልኪቱ’ሎ።

ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዛጊት ናይ 400 ሚልዮን ዶላር ብልቃጥ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን ስምምዕ ጌሩ ምህላዉ ሚስተር ንከንጋሶንግ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com