Saturday , May 18 2024

ሕጊ ስድራን ጕዳያት መጕዚትነትን

ከም መዕበያ: መንበሪ ገዛን ምውሳእን ኣብ ዝኣመሰሉ ጕዳያት: ጥቕሚ ቈልዓ ቀዳምነት ኪወሃቦ ይግባእ። ንዕድመን ብስለትን ኣብ ግንት ብምእታው: ኵሉሳዕ ንድላይ ቈልዓ ሓልዮት ኪግበሮ ይግባእ። ንጥቕሚ ቈልዓ ዘርብሕ እንተኾይኑ: እቲ ዕላማ ሓባራዊ መጕዚትነት ኪኸውን ኣለዎ።

መጕዚትነት ቈልዓ

መጕዚትነት ቈልዓ ማለት እቶም ኣለይቲ፡ ዝበዝሕ ግዜ ወለዲ፡ ኣብቱ ቈልዓ ሕጋዊ ሓላፍነት ኣለዎም ማለት’ዩ። ቈልዓ ክትኣሊ መሰልን ግቡእን ምህላው ማለት’ዩ። ብመሰረት ሕጊ ቈልዑ ክሳብ 18 ዓመት ዚመልኡ መጕዚት (መዕበዪ) ኪህልዎም ኣለዎም።

ሰነድ ምስክር ኣቦነት

ሓደ ህጻን (ክሳብ 18 ዓመት) ፍቓድ ክረክብ እንኮሎ ኣቦ እንድሕር ምስ ኣደ ምራዑው ዘይኮይኑ ኣቦነት ከረጋግጽ ኣለዎ። እዚ ብዘየገድስ እቲ ኣቦ ኣብ ሽወደን ምስቲ ስድራ ኣሎ ድዪ የልቦን እዩ ዝምልከት። ኣብ መብዛሕትኡ ምምሕዳራት ሽማግለ ህዝባዊ ጉዳያት እዮም ናይ ኣቦነት ምርግጋጽ መስርሕ ዘካይዱ፣ ግን ኣብ ገሊኡ ዞባዊ ሽማግለታት ወይ ምምሕዳራዊ ሽማግለታት እውን ከካይድዎ ይኽእሉ። ምስ ምምሕዳርካ ተወከስ ኣብቲ እትነብሮ እንታይ ከምዝምልከት።

ሓባራዊ መጕዚትነት

ሓባራዊ ሞግዚነት ማለት ክልቲኣቶም ወለዲ ኣብ ውላዶም ሓባራዊ ሓላፍነት ኣለዎም ማለት እዩ። ንውላዶም ዚምልከት ጕዳይ’ውን ግድን ብሓባር ኪውስኑ’ለዎም። ክልቲኦም ወለዲ ብሓደ እንተ ዘይተቐመጡ’ውን ሓደ ዓይነት ግቡእ ኣለዎም። መጕዚት እንተ ኾይንካ ብዛዕባ ውላድካ ሓበሬታ ክትረክብ’ውን መሰል ኣለካ። እዚ ማለት: ካብ ቤት ትምህርቲ: ሓለዋ ጥዕና: ቤ/ጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎት: ፖሊስን ካልኦት ትካላት መንግስትን ንውላድካ ዚምልከት ጕዳይ ክትፈልጥ መሰል ኣለካ ማለት’ዩ።

ውልቃዊ መጕዚትነት

ውልቃዊ መጕዚትነት ማለት ሓደ ካብ ወለዲ ጥራይ ሓላፍነት ቈልዓ ኣለዎ: እዚ ወላዲ ከኣ’ዩ ንውልቁ ኣብ’ቲ ጕዳይ ቈልዓ ኪውስን ዚኽእል። ምርዑዋት እንተ ኾይንኩም ኣብ ደቅኹም ብቐጥታ ሓባራዊ መጕዚትነት ኣለኩም ማለት’ዩ። ሰብ ሓዳር እንተ ዘይኮይንኩም ኣብ ምምሕዳር ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣቦ ቘልዓ መን ምዃኑ ወረቐት ክትመልኡ ኣለኩም። ሽዑ ሓባራዊ መጕዚትነት ትረኽቡ።

ጉድ ማን

ነቶም ናብ ሽወደን ብዘይ ወለዲ ወይ ምስ ብዘይ ካልእ በጽሒ ሰብ ንውልቆም ዚመጹ ቈልዑ ብዓል-ሕድሪ (ጉድማን) ይምዘዘሎም። ጉድማን ኣብ ብሕታዊ ኵነታት ቈልዓ ሓላፍነት ይስከም፤ ኣብ ክንዲ ወላዲ ወይ መጕዚት ከኣ ንጥቕሚ ቈልዓ ቀዳምነት ይህብ።

ሕጊ ስድራ

ክትፋትሑ እንተ ወሲንኩም እሞ መንኩም መጕዚትነት ቈልዓ ይህልዎ ኣብ ስምምዕ እንተ ዘይበጺሕኩም: ምስ ቤ/ጽ ሕጊ ስድራ (familjerätten) ርክብ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ መፍትሒ ክትረኽቡ ኪሕግዘኩም ይኽእል’ዩ። እዚ ምስ ዘይከውን እቲ ጉዳይ ናብ ቤትፍርዲ ይኸይድ። ቅድሚ ቤትፍርዲ መን ካብ ወለዲ መጕዚትነት ቈልዓ ከም ዚህልዎን: እቶም ደቂ ምስ መን ከም ዚቕመጡን ዚውስን፡ ንቤ/ጽ ሕጊ ስድራ መርመራ ከካይድ ይውከሶ።

ምንጪ: information om sverige


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com