Sunday , May 19 2024

ሕጹያት ምርጫ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ብ መረጽቲ ኣይፍለጡን እዮም

Credit: Maja Lagercrantz/SR

ኣስማት ናይቶም ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ምርጫ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ዝሳተፉ ላዕለዎት ሕጹያት ውድባት ሽወደን ብዙሓት መረጽቲ ከምዘይፈልጥዎ ብስም ሬድዮ ኒውስ ሽወደን ዝተኻየደ ዳህሳስ ኢንዲካተር ኦፒንዮን ኣቃሊዑ። እቶም ዝሓሸ ተፈላጥነት ዘለዎም ድሮ ኣብ ባይቶ ኤውሮጳ ኮፍ ኢሎም ዘለዉ ክልተ ፖለቲከኛታት ኮይኖም፡ ንሊበራላውያን ኣብ ዘገልግሉ ዘለዉ ኣባል ባይቶ ፓርላማ ካሪን ካርልስብሩን ካብ ማእከላይ ሰልፊ ኤማ ዊስነርን እዮም። ክልቲኦም’ውን እንተኾኑ ብመረጽቲ ዝወሓደ እምነት ዘለዎም እዮም። ብዝያዳ ህቡባት ዝፍለጡ ካብ ሰልፊ የማናይ የናስ ሾስተድን፥ ኣሊስ ባህ ኩንከን ካብ ሓምላይ ሰልፊ ኮይኖም፡ ክልቲኦም ቅድሚ ሕጂ ልዑል ሽም ዘለዎም ሃገራዊያን ፖለቲከኛታት እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com