Sunday , May 19 2024
Ulf Kristersson (M) Foto Stina Stjernkvist / TT kod 11610

መራሒ ሰልፊ ሞደራትና፡ ጉዳይ ስደተኛታት ዓቢ ተጽዕኖ ኮይኑና ኣሎ ይብል

ጉዳይ ስደተኛታት፡ ከቢድ ሓላፍነት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ብዙሕ ሽግራት ዝፈጥር እዩ ክብል ሓላፊ ሰልፊ ሞደራትና፡ ኡልፍ ክሪስተርሾን፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብ ሽወደን፡ ጉዳይ ስደተኛታት ዓቢ ተጽዕኖ ኮይኑ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ገበናት፡ ምግሃስ ክብርታት፡ ማሕበራዊ ጸገማትን ጻዕቂ ሰብን ዝኣመሰሉ ሽግራት ዝፈጥር እዩ ክብል ክሪስተርሾን ንሬድዮ ሽወደን P1-Morgon ሓቢሩ።

ገበናውያን ጉጅለታትን ቶኽስን ኣብተን ትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለወን ከባቢታት ይበዝሕ ከምዘሎን እዚ ድማ ብሰንኪ ስደተኛታትን ምስ ናይ ሽወደን ክብርታትን ባህልታትን ክወሃሃዱ ብዘይምኽኣሎም ዝሰዓበ እዩ ክብል፡ ኡልፍ ክሪስተርሾን ገሊጹ።

ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትና፡ ንጉዳይ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ኣብ ወርሒ የካቲት ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሽወደን ዝኾነ ስደተኛ ክትቅበል ከምዘይብላ ዝብል መርገጺ እንተሃለዎ፡ ክሪስተርሾን ዝመርሖ ሰልፊ ሞደራትና ግን እቲ ሽወደን ትቕበሎ ዘላ ቁጽሪ ስደተኛታት ክጎድል ዝብል መርገጺ ኣለዎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com