Friday , May 17 2024
Terror group Boko Haram's former leader Abubakar Shekau

መራሒ ቦኮ ሓራም: ከም ዝሞተ ዳዕሽ ገሊጹ

መራሒ ግብረሽበራዊ ሓይሊ ቦኮ ሓራም፡ ኣቡበከር ሼካው ከም ዝሞተ፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐስ ጒጅለ ዳዕሽ፡ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ድምጺ መልእኽቲ ገሊጹ።

ኣብዚ ናብ ቢቢሲ ዝበጽሐ መልእኽቲ፡ ሼካው፡ ኣብ መንጐ ሚሊሻኡን ዳዕሽን ድሕሪ ዝተገብረ ኲናት ብፈንጂ ነፍሰ ቕትለት ምፍጻሙ ተገሊጹ’ሎ። መራሒ ዳዕሽ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኣቡሙስዓብ ኣልበርናዊ፡ ኣብቲ መልእክቱ “ሼካው ተናሲሑ ናብ ዳዕሽ ክጽንበር ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ተማሕጸንናዮ ኣቕቢጹ፡ መወዳእትኡ ድማ ብዘሕፍር ኣማውታ ተፋንዩ’ሎ” ኢሉ።

ሼካው ሞይቱ ክበሃል፡ እዚ ናይ ፈለማ ግዜ ኣይኮነን ዝበለ ጸብጻብ ቢቢሲ፡ ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ እኳ ምሟቱ ከም እተነገረ ዘኪሩ። ቦኮ ሓራም ይኹን መንግስቲ ናይጀርያ ብዛዕባ ሞት ሼካው ዛጊት ዝሃብዎ መግለጺ የለን። ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ዳዕሽ ንቦኮ ሓራም ብምትካእ ዓብላሊ ግብረሽበራዊ ሓይሊ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com