Friday , May 17 2024

መራሒ ጫድ እድሪስ ደብዒ ተቐቲሉ

ንሃገረ ጫድ፡ ን 30 ዓመታት ዝመርሐ፡ እድሪስ ደብዒ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጒጅለታት ክቃለስ ምጽንሑን ነዚ ንምስላጥ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እታ ሃገር ብምጒዓዝ ከም ዝፍለጥን ኣልጀዚራ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ የመልክት። ብፍላይ ድማ ዝሓለፈ መጋቢት ቦኮ ሓራም ኣብ ሰራዊት ጫድ ከቢድ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍናዎም እድሪስ ናብ ቀላይ ጫድ ብምኻድ ምስ ወተሃደራቱ ክዝቲ ከም እተራእየን እቲ ጸብጻብ ይገልጽ። ኣብ ሓደ ካብዞም ዓውደ ኲናት ድማ ህይወቱ ስኢኑ ኣሎ ተባሂሉ።

ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ትማሊ ሰሉስ፡ እድሪስ ደብዒ፡ ብዝወረዶ መቚሰልቲ ምሟቱ ገሊጾም ኣለዉ። ካብ ሰሜን እታ ሃገር እናተበገሱ ናብ እንጃሜና ዝግስግሱ ዝነበሩ ዕጡቓት ሓይልታት ብዝፈነዉዎ መጥቃዕቲ ኣብ መበል 68 ዓመቱ እድሪስ ደብዒ ፍጻመኡ ከም ዝረኸበ ድማ ገሊጾም።

ፕረሲደንት ሪፓብሊክ ጫድ፡ መራሒ መንግስቲ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሃገር ዝነበረ፡ እድሪስ ደብዒ፡ ኣብ ሜዳ ኲናት ኮይኑ ንሉኣላውነት እታ ሃገር ክዋደቕ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ዓሪፉ’ሎ” ክብል ኣፈኛ ዓዘም በርማንዶኣ ኣጎና፡ ብተሌቪዥን እታ ሃገር ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ ዜና ዕረፍቲ ምንባቡ እውን ተመልኪቱ።

ኣማውታ እድሪስ ደብዒ፡ ብልክዕ ከመይ ከምዝኾነ፡ ከም ዘይተፈልጠ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com