Sunday , May 19 2024
Foto: Anders Wiklund / TT

መራሕቲ ሰልፊታት ኣብ ሰሙን ዲጂታል ያርቫ መደረ ኣስሚዖም።

ሎሚ ሰሙን ያርቫ ክጅመር እዩ። እዚ ኣኼባ ብመሰረቱ ብዛዕባ ፖለቲካ ኮይኑ ሰባት ብኢንተርነት ብቐጥታ ክከታተልዎ ከም ዝኽእሉ ተገሊጹ’ሎ።

ኣብዚ ኣኼባ መራሕቲ ሰልፊ መደረታት ከስምዑ ኣብ ዝተፈላለዩ ጒዳያት ከኣ ዘተን ክትዓትን ክህሉ እዩ። ሰሙን ዠርቫ ኣብ ስቶልሆልም ዝካይድ ናይ ስፖርት ኣጋጣሚ እዩ።

ኣብዚ ዓመት ግና ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ኲሉ ብዲጂታላዊ ኣገባብ እዩ ክሳልጥ። “ነዚ ኲነታት ዝበለጸ ዝገብሮ ዝበዝሑ ሰባት ክከታተሉና ዕድል ዝሃበ ብምዃኑ እዩ” ክብል ን ሬድዮ ሽወደን እዚ ኣጋጣሚ ዝኸፈተ ኣሕመድ ዓብዱራሕማን ሓቢሩ።

ካብ ብኣካል እትገብሮ ንላዕሊ ዝበዝሐ ክፍላት እዛ ሃገር ክንበጽሕ ክኢልና ኣሎና ድሕሪ ምባል ዣርቫ ኣብ ህይወት ሰባት ኣገደስቲ ዝኾኑ ዛዕባታት ዘልዕል ክኸውን ይግባኦ ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ ብዛዕባ ፖለቲካ ብዙሕ ኢና ዘቲና፥ በዚ ኢና ድማ እዚ ጒዳይ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ሰባት ኣገደስቲ ጒዳያት እዩ ዘልዕል ንብል ዘሎና ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com