Sunday , May 19 2024
Credit: Pontus Lundahl/TT

መርዛም ዓሌት ቃንጥሻ ዝበልዑ ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ይእለዩ ኣለዉ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ስቶክሆልም ሓደ ሰብኣይን ሓሙሽተ ቆልዑን መርዛም ዓሌት ቃንጥሻ ብምብልዖም፥ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም
ምህላዎም ተገሊጹ። እዞም ግዳያት፥ እቲ መርዛም ዓይነት ቃንጥሻ ከምቶም ካልኦት ዝብልዑ ዓይነት ስለ ዘመሰሎም ናብዚ ሓደጋ
ወዲቖም ክኾኑ ከምዝኽእሉ፥ ማእከል “ሓበሬታ መርዚታት ሽወደን” ሓቢሩ። ኣብቲ ማእከል ክኢላ ፋንጋስ ፒተር ሁልተን፡ ኣብዚ
ወቕቲ ቃንጥሻ ብምኽንያት ሰባት ዝገብርዎ ተመሳሰልቲ ጌጋታት ብርክት ዝበለ ህጹጽ ጻውዒታት ይበጽሖም ምህላዉ ገሊጹ።

 

Credit: Pontus Lundahl/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com