Friday , May 17 2024

መሳጢ ግጥም ጁቬንቱስን ኣትለትኮ ማድሪድን ኣብ ከተማ ስቶኮልም!!

ኢጣልያዊት ክለብ ጁቬንቱስ ምስ  ስጳኛዊት ክለብ ኣትለቲኮ ማድሪድ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ን 10 ነሓሰ ካብ ሰዓት 18:00 ጀሚረን ናይ ቅድመ መዳለዊ ምሕዝነታዊ ጸወት ከካይዳ እየን። ክለብ ጁቨንቱስ ን ናይ ዓለምና ሓሙሽተ ግዜ ኾኸብ ዓለምና ዝኾነ ክርስትያኖ ሮናልዶ  ኣኽቲታ ንሓደሽቲ ተጻወቲ ከም ኣሮን ራምሲን ኣድርያን ራቦት ዝጸንበረት ነዛ ብ ሞራታ ዝምርሕ መስመር መጥቃዕቲ ምስ ብ 120 ሚልዮን ፓውንድ ዝዓደገቶ ወዲ 19 ዓመት ኣከፋፋሊ ፖርትጋላዊ ጆዎ ፊሊክስ ምክታት ኣንጻበራቓቂ ጸወታ ከካይዳ ትጽቢት ይግበር።

በዚ መሰረት ነዚ ጸወታ ብ ኣካል ክትሪእዩን ክትከታታሉን ምስ እትደልዩ ብ 295 ክሮነር ኣብ ታሕቲ ዘላ ሊንክ ብምጥዋቕ ካብ ሕጂ ቦታ ክትሓዝኡ ትኽእሉ።

https://ticket.friendsarena.se/eSROSite400/sv-SE/shows/atletico%20madrid%20-%20juventus%202019/events?fbclid=IwAR2JAGLT8uS2EK9HyI3lfpTwdNm0g1cfDg7uSCCMEkkRbim2J1bLc3RUcmE


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com