Friday , May 17 2024

መስምዒ ‘ኢር ፎን’ንን ሓደጋን።

ረብሓ ዘይብሉ ዝስራሕ ንብረት የለን። እግሪ እግሩ ግና ጉድኣት ዘይሰኣኖ መሊኡ እዩ። እዚ ዝዀነሉ ድማ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ምስ ዝግበረሉ እዩ። መስምዒ እዝኒ (ኢር ፎን) ድማ፡ ኣብ እዝኒ ተሰዂዑ ዘስምዕ መጉልሒ ድምጺ ከም ምዃኑ፡ ጉድኣትን ጠቕምን ክህልዎ ግድን እዩ። ሰራሕቱ’ውን እዚ ክኸውን ከምዝኽእል ስለዝፈልጡ፡ ተወሳኺ ብልጫኡ ጉድኣቱ ካብ ምሕባር ዓዲ ኣይውዕሉን። ብፍላይ ኣብ እዝኒ ዝህልዎ ጉድኣት ኣይርስዕዎን። እንተዀነ፡ እዚ ናይ እዝኒ መስምዒ፡ ኪኖ’ዚ፡ ጠንቂ ካልእ ሓደጋ ይኸውን ከምዘሎ እውን ይግለጽ። ገለ ካብ ረብሓታት እዚ ንብረት ምስ እንርኢ፡ ሓደ ተጠቃሚ ንበይኑ ክሰምዖ ንዝደለየ ናይ ብሕቱ ነገር፡ ንበይኑ ንኽሰምዖ ይሕግዝ። ብተወሳኺ ኣብ ዝዀነ ድምጺ ክርብሽ ዝኽእለሉ ቦታ፡ ኣብነት ከም ቤት ንባብ፡ ብዘይ ረብሻ ክትሰምዕ ትኽእል።

ሓደጋን እቲ ካልእ ብልጫ ድማ ዝያዳ ካልኦት መጉልሒ ድምጺታት፡ ብንጹርን ምዕሩይን ንኽትሰምዕ የኽእል። እንተዀነ፡ ኪኖ ዝግባእ ድምጺ ዓው ኣቢልካ ምስ እትሰምዕ፡ እዋናውን ነባርን ናይ እዝኒ መጉዳእቲ፡ ከም ዘይ ምዕሩይ ምስማዕ ወይ ጽመት ከስዕብ ይኽእል። እቲ ሎሚ ዝኸፍአ፡ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ብሰንኪ እዚ መስምዒ ዝረአ ዘሎ ሓደጋ ግና፡ እዚ ኣይኰነን። እንታይ ደኣ፡ ነዚ መስምዒ ኣብ እዝኒኻ ገይርካ ተሽከርከርቲ፡ ብፍላይ ድማ ብሽክለታ ትዝውር’ሞ፡ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ድምጺ ስለዘይትሰምዕ፡ ሃንደበት ድማ ምስ እትጥወ ወይ መንገዲ ምስ እትቘርጽ፡ ብድሕረኻ ብዘላ ካልእ ተሽከርካሪት ኣብ ሓደጋ ትኣቱ። እዚ ድማ እዩ ሎሚ – ንቁጽሪ ሓደጋ ክብ ዘብሎ ዘሎ። ስለ’ዚ ኢርፎን ገይርካ ትዕበ ትንኣስ ተሽከርካሪት ምምራሕ ብሕጊ ክልኩል ምዃኑ ዝሰሓት ኣይመስለንን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com